ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ንስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምሉእ ቅንዕና ከነተግብር ቅሩባት ኢና”ቀ/ሚ ኣቢይ


ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ሰሉስ ምስ ቤት ምኽሪ ተዋካሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ መንግስቶም ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ስምምዕ ንነባሪ ሰላምን ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ብቕንዕናን ምሉእ ልቢን ክሰርሕ ድሉዊ ምህላዉ ገሊጾም።

እቲ ኲናት ህይወት ሓያሎ ሰባት ምውሳዱ ኣሕዛኒን ክድገም ዘየድሊን ምዃኑ ዘመልከቱ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “ሕጂ ግን ንቕድሚት ክንከይድ ተሰማምዒናስ ውዕል’ውን ፈሪምና” ኢሎም። ቀጺሎም ድማ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “እቲ ተሪፉ ዘሎ መገዲ ነቲ ዝተፈርመ ስምምዕ ብቕኑዕ ልቢ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ’ዩ፡” ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ጻንሖቶም’ውን ንሕቶታት ወልቃይትን ካልእ ኣከራኻሪ ጉዳያትን ጠቒሶም ነይሮም። ከም ዘረባኦም፡ “ንሕና ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኸድና ፍልልያትና ብሰላምን ዘተን ንምፍታሕ ኢና፡” ኢሎም። ወሲኾም ድማ፡ “እቲ ክርክር ብመሰረት ብሕጊን ስርዓትን እታ ሃገር” ክፍታሕ ምዃኑ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ህይወት-ኣድሕን መድሃኒት ዝሓዛ ክልተ ናይ ጽዕነት መካይን ሎሚ ሰሉስ መቐለ ኣትየን ኣለዋ። ሎሚ 40 ቶን መድሃኒታት ሒዘን ምእታወን ዝተሓበራ መካይን ጽዕነት፡ ነቲ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒታት ክሳቐ ዝጸንሐን ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና እቲ ክልል ኣብ ምቅላል ኣበርክቶ ክህሉዎ ብዅሉ ወገናት ተስፋ ይግበሮ። ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ተወሳኺ ኣገዳሲ መድሃኒታት’ውን ናብ ትግራይ ንምእታው ኣብ መገዲ ምህላዉ እቲ ቤት ጽሕፈት ብትዊተር ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ'ሎ።

XS
SM
MD
LG