ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንስምምዕ ኢትዮ-ኤርትራ ተግባራዊ ንምግባር ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ምጥያሱ ተገሊጹ


ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ነብያት ጌታቸው
ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ነብያት ጌታቸው

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተበፅሐ ስምምዕን ርክብን ዝርዝር ጉዳያት ተግባራዊ ንምግባር ብኽልቲአን ሃገራት ዝተጣየሸ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ስርሑ ብፅቡቕ ኩነታት የሳልጥ ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ነብያት ጌታቸው ኣፍሊጦም።

ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያትት ወፃኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዳህሰሱ ክኾኑ ከለው ብዛዕባ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ስርሑ ይሰርሕ ኣሎ፤እዞም ዝርዝር ስራሓት ነቲ ርክብ ትካላዊ ቕርፂ ከትሕዝዎ እዮም ኢሎም።

“ዝቕፅል ርክብ ክልቲአን ሃገራት ትካላዊ ቕርፂ ስለዘትሕዝዎ ነፍሲ ወከፍ ዝርዝር ጉዳያት ምላሽ ክረከብ እዩ።ስለዚ ካብ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ዘሎ ኩነታት ዝተፈለየ ሓበሬታ ከምዘየለን ትካላዊ ቕርፂ ንምትሓዝ ዝስርሑ ስርሓት ብዝተታሓዘሎም ናይ ግዜ ሰደቓ ይሰላሰሉ ምህላው እየ ክዛረብ ዝኽእል”ኢሎም ።

ንኢትዮጵያ ኤርትራን ዘራኽቡ ኣርባዕቲኦም መስመራት ንመኻይን ኣብ ዝተዓፅውሉ እዋን ነዚ መግለፂ ዝሃቡ ምሃቦም ዝገለጸ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብዛዕባ ምዕጻው መስመራት ግን ዘውጽኦ ዜና የለን።

XS
SM
MD
LG