ዋሽንግተን —
ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ዚምባቤን ኣንጎላን ዝተርኣየ ለውጢ ትኹራት መራሕቲ ኣብ ኣፍሪቃ ከዕውቱዎ ዝኽእሉ ቁም ነገር ዘመስከረ እዩ ዝበሉ ኣብ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ኣብ ምሕዝነትን ሰላምን ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተወስደ ስጉምቲ ተባዕ'ዩ ክብሉ ኣመጒሶም።
ምኽትል ሓላፊ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ ብዛዕባ ዝመጽእ ምርጫ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ብዛዕባ ኣብ ዚምባብወን ኣንጎላን ዝተራእዩ ናይ መሪሕነት ለውጢ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ናይ ፖለቲካ ለውጢን ከምኡ’ውን ምስ ኤርትራ ዝተፈጥረ ሰላምን ካልእ ጉዳያትን ብዝምልከት ምላሽ ሂቦም ኣለው።
ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ኣብ ክንዲ ጆሴፍ ካቢላ ካልእ ሰብ ሕጹይ ኮይኑ ንምርጫ ኣብ ዝቐርበሉ ዝመጽእ ምርጫ፡ ኣሜሪካ ትዓግበሉ እንተኾይና ዝተሓቱ ቲቦር ናዥ ንሕና ኣብ ዝኾነት ትኹን ሃገር ሕጹይ ኣይነቕርብን ኢና ኢሎም።