ዋሽንግተን —
ንውሽጣዊ ሪፖርት ኣሜሪካ መሰረት ገይሩ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ብኣብዝሓ ዕጡቃት ኣምሓራ ተቆፃፂሮሞ ዝርከብ ክልል ትግራይ ስልታዊ ወፍሪ ምፅናት ዓሌት ተካይድ ኣላ ኢሉ ።
ብሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶንቶ ብሌንከን ብቀዳም ኣብ ዝወጸ መግለፂ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ብግፍዒ ይፍፀም ኣሎ ዝበልዎ ጭፍጫፍን ብሓፈሻ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ዕንወትን ከምዘሻቀሎም ገሊፆም ።