ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንረቒቕ ሕጊ HR6600ን 3199ን ዝቓወም ሰልፊ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተኻይዱ


ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም፣ምርግጋእን ዴሞክራስን ክሰፍን ተፅዕኖ ንምሕዳር ኣባላት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ሰኔት ኣመሪካን ዘቕረቡዎ HR6600ን 3199ን ዝተባህሉ ረቒቕ ሕግታት ዝተቓወሙ ኢትዮጵያዊያንን ኢትዮጵያዊያን ኣመሪካዊያንን ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ዲስ ናይ ተቓውሞ ሰልፊኣካይዶም።

ኣብ ፊት ንፊት ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተሳተፉ ሰልፈኛታት እቲ ረቂቕ ሕጊ ዘቐመጦም እገዳታት ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ኣብ ክንዲ ዝፈትሕ ነቲ ማሕበረሰብ ንዝገደደ ፀገም ዘቃልዑ እዮም ክብሉ ተቓዊሞምዎ ኣለው።

ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዝርኣዩ ፀገማት ክፈትሕ ኣይክኣለን ዝበሉ ኢትዮጵያዊያን ካብ ወፃኢ ድፍኢት ክግበር ከምዘለዎ ብምግላፅ ነቲ ረቂቕ ሕጊ ደገፎም ዝገልጹ'ውን ኣለው።

XS
SM
MD
LG