ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንማዕርነት ፆታን ምሕያል ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮን ዝዓለመ ዋዕላ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተጀሚሩ


ዓመታዊ ኣኼባ ንማዕርነት ፆታን ምሕያል ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮን ዝሰርሕ ኮሚሽን ፆታዊ ማዕርነት ንክረጋግፀ ዝፅውዕ ንፁር ዕላማ ዝሓዘ ዋዕላ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተጀሚሩ።

“ማዕርነት ፆታ መሰረታዊ ሕቶ ስልጣን እዩ’’ ክብሉ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ኣዳራሽ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንዝተኣከባ ደቂ ኣንስትዮ መደረ ኣስሚዖም።

ንሶም ደቂ ተባዕቲዮ ዝዕብልሉዎ ባህሊ ንደቂ ኣንስትዮ ናብ ወሰን ዝደፍእ፣ዕሽሽ ዝብልን ድምፀን ከይስምዓ ክዕፍንን ስለ ዝፀንሐ እዚ ታሪኽ ክልወጥ ኣለዎ ኢሎም ።

ኣብ ዙሪያ ዓለም ዝርአ ምልዕዓል ደቂ ኣንስትዮ ብፅቡቕ መንፈስ ከምዝቕበሉዎ ዝገለፁ ጉተረስ ምስጓም መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ከይግስግስ ዝከላኸሉ ሓይልታት እውን ኣለው ክብሉ ኣጠንቂቖም።

“እቲ ምክልኻል ዓሚቕ፣ካብ ቅኑዕ መንገዲ ዝወፀን ዘይሕለልን እዩ’’ ዝበሉ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ጉተረስ “ዓው ኢልናን ብንፁርን፡ነዚ ባይታ ኣይንህቦን፣ንድሕሪት ኣይክንምለስን ኢና፣ንዘይምቕባል ዝህልው ምክልኻል መመሊስና ክንደፍኦ ኢና’’ኢሎም።

XS
SM
MD
LG