ዋሽንግተን —
ንሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ወደባት ሲሲሊ ዝጸንሑ ኣስታት 100 ዝኾኑ ስደተኛታት ትማሊ ሶሉስ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሮካ ዲ ፓፓ ምእታዎም ተገሊጹ።
እቶም ስደተኛታት ኣብቲ መዕቆቢ’ቲ ስደተኛታት ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ንምምጻእ እቶም ስደተኛታት ብዝቓወሙን ዝድግፉን ወገናት ሰልፊ ምክያዱ ተገሊጹ’ሎ።
ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ካህናት፡ ኣልባንያን ኣየርላንድን ነቶም ኣብ ወደባት ኢጣልያ ዝጸንሑ 140 ስደተኛታት ከምዝቕበልዎም ድሕሪ ምፍላጦም ኢጣልያ ነቶም ስደተኛታት ክራገፉ ምፍቓዳ ይፍለጥ።
መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታት ካብ ኤርትራ ዝመጹ ክኮኑ ከለው ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሮካ ደ ፓፓ ንቁሩብ መዓልታት ጸኒሖም ናብ ካልኦት ቦታታት ከምዝጣየሱ ተገሊጹ’ሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ መዕቆቢ ካብ ኤርትራ፡ናይጀርያን ሶርያን ዝመጹ 270 ስደተኛታት ከምዝርከቡ ብተወሳኺ ተገሊጹ።