ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንመንእሰያት ስራሕ ብምፍጣር ክትሕግዝ ዝተጣየሰት ማሕበር ልቃሕን ዕቋርን መናእሰይ ፋና


ቅድሚ 4 ዓማውቲ ዝተጣየሸት ሽርክና ማሕበር ልቃሕን ዕቋርን መናእሰይ ፋና ትብሃል፡፡ እዛ ማሕበር 92 መናእሰይን ብዘዋፅእዎ 33 ሽሕን 180 ብርን ሃፍቲ እያ ስርሓ ጀሚራ፡፡ ኣብቲ ፈላማ ምጅማር ስርሃ ሓርጎፅጎፅ ኣጋጢሙዋ እዩ፡፡ ሕፅረት ሞያ፣ መስርሒ ቢሮን ምስ ገለ ኣካላት ዝነበረ ጎንፅን ተዳማሚሩ ፈቲንዋ እዩ ክብል ኣቦ መንበርን መስራትን’ቲ ማሕበር መንእሰይ ጎይትኦም ተስፋይ ይገልፅ፡፡

“ሽርክና ማሕበር ልቃሕን ዕቋርን ፋና መናእሰይ ኣብ 2021 ዓ.ም ብኢትዮጵያ ኣቆፃፅራ ንመናእሰይ ብፍሉ ትኹረት ዝገብር ባንኪ ሽርክና ማሕበር ምፍጣር ዝብል ራኢ ተሓንጊጣ እያ ተላዒላ ዘላ፡፡ ከም ልኡክ ዝተሓንገጠቶ ድማ ካብ በተኽ ድኽነት ናብ ምውህላል ንእሽቶ ሃፍቲ፣ ካብ ምውህላል ንእሽተይ ሃፍቲ ናብ ምፍጣር ንእሽቶይ ስራሕ፣ ነኣሽቱ ስራሓት ብምግፋሕ ናብ ዘላቂ ኢንቨስትመንት ምስግጋር ዝብል እዩ፡፡” ይብል ኣቦ መንበር እታ ማሕበር መንእሰይ ጎይትኦም ተስፋይ፡፡

ሽርክና ማሕበር ልቃሕን ዕቋርን መናእሰይ ፋና ዛጊት እዚ ኩሉ ብድሆታት ሓሊፋ ልዕሊ 45 ሚልዮን ሃፍቲ ኣዋህሊላ ኣላ፡፡ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ኣብ ዙርያ ዓሲሎም ይርከቡ፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG