ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንመርገጺ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብምቅዋም ሰልፊ ተኻይዱ: ምስክርነት ሚ /ጉ/ወ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ


ሰላማዊ ሰልፊ ኢትዮጵያዊያን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:51 0:00

ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ትማሊ ረቡዕ ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ሰልፊ ወጺኦም ኔሮም። ዕላማ`ቲ ሰልፊ፡ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ዝሓዘቶ ናይዚ እዋን መርገጺ ዝተጋገየ ምዃኑ ንምሕባር ምዃኑ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ተሳተፍቲ'ቲ ሰልፊ ገሊጾም ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜ​ሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ትማሊ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ​ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ገበን ምፍጻሙ ተዛሪቡ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG