ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ንምትእንጋድ ተሃንጥየ ኣለኹ' ፕረ. ባይደን


ፋይል
ፋይል

ኣብ ዝመጽእ 13-15 ታሕሳስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ መራሕቲ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ካብ መላእ ኣፍሪቃ ንዝመጹ መራሕቲ ንምትእንጋድ ተሃንጥየ'ለኹ ክብሉ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ገሊጾም።

ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፕረዚደንት ጆ ባይደን እቲ ዋዕላ ኣመሪካ ንኣፍሪቃ ዘለዋ ውፍይነት ዘርእይ: ድልየት ዝምድናታት ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዘስምር:ንዓለማዊ መርሆታት ዝወሃብ ቀዳምነት ብዝምልከት ንዘሎ ምትሕብባራት ዘደንፍዕ'ዩ ኢሎም ኣለዉ ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ መግለጺኦም ዋዕላ መራሕቲ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ኣብ ልዕሊ እቲ ዘሎ ሓባራዊ ክብርታትና ንዝሓሽ ሓድሽ ጽምዶ ቁጠባ ዘኻዕብትን ንዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ዘሎ ውፍይነት ኣመሪካን ኣፍሪቃን ከሐይልን ንጽልዋ ኮቪድ19ን መጻእቲ ለበዳታትን ንምቅላል ዞባዊን ዓለማውን ኩነታት ጥዕና ንምሕያል ሓቢርካ ንምስራሕን ውሕስነት መግቢ ሰላምን ጸጥታን ምስጓምን ንቅልውላው ክሊማ ምላሽ ምሃብን ምስ ዳያስፖራ ዘሎ ምትእስሳር ከጉልህን እዩ ኢሎም ኣለዉ ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መወዳእታ እቲ ዋይት ሃውስ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ
መግለጺኦም ንመጻኢ ዝምድናታት ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዘለና ሓባራዊ ራኢና ንምሕያል ምስ መንግስታት ኣፍሪቃ ሲቪክ ማሕበረሰባት ኣብ ሙሉእ ኣመሪካ ምስ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ዳያስፖራን ውልቀ ትካላትን ሓቢርካ ንምስራሕ
ተሃንጥየ'ለኩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG