ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንሓለውቲ ጀዋር መሓመድ ብሓይሊ ንምልዓል ዝተገበረ ፈተነ ስዒቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ቁጥዐን ተቓውሞን ኣልዒሉ’ሎ


ኣምቦ
ኣምቦ

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያዊ ጀዋር መሓመድ ትማሊ ንሓለውቱ ብሓይሊ ንምልዓል ዝተገበረ ፈተነ ስዒቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ቁጥዐን ተቓውሞ ኣልዒሉ’ሎ።በቲ ኹነታት ዝጠፍአ ህይወት ሰባትን ዝቖሰሉን ከምዘለውን መንገድታት እውን ከምዝተዓጸውን ተፈሊጡ’ሎ።

ትማሊ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ኣብ መንበሪ ገዛ ጀዋር መሓመድ ተፈጢሩ ብዛዕባ ዝተባህለ ክስተት ጀዋር መሓመድ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፁ ዘውፅኦ ሓበሬታ ስዒቡ ኣብዝተፈላለዩ ከተማታት ኦሮሚያ ተቓውሞ ተላዒሉ’ሎ።

ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ደገፍቲ መናእሰይ ድሕንነት ጀዋር መሓመድ ኣስጊኡና’ሎ፤ክቕተል እውን ይኽእል እዩ ብዝብል ለይቲ ናብ ገዝኡ ብምውሓዝ ንገዝኡ ከቢቦምዎ ሓዲሮም ኣለው።ሓደ ወሃቢ ርእይቶ ከምዚ በለ።

“ጀዋር መሓመድ ፍሉጥ ኣክቲቪስት ከም ምዃኑ ካብ መንግስቲ ይኹን ካብ ናይ ኣምሓራ ኢሊታት ምፍርራሕ ይወርዶ ስለዘሎ ነዚ ምፍርራሓን ፈኸራን እንተድኣ ዘይመኪትናዮ ህዝቢ ኦሮሞ ተመሊሱ ክብተን ስለዝኾነ ናትና ንዝኾነ ጀዋር መሓመድ ናይ ምሕላው ናይ ታሪኽ ሓላፍነት ኣለና።”

እቶም ሰልፈኛታት ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊኡ ይፍነው ኣሎ ዝበልዎ ምፍርራሕ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ እውን ብቐጥታ ዝተዛረቡዎ ንዕኡ ስለዝኾነን ከይቐትሉዎ ስለዝሰጋእና ኢልና ኢና ወፂእና ኢሎም።

ጀዋር መሓመድ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃቦ ርእይቶ ንዕኡ ከይተዛረቡዎ ንሓለውቱ ምልዓል ካልእ ዕላማ ዘለዎ እዩ ኢሉ።

“ብሓፈሻ ክርእዮ ከለኹ ኣብ ውድቕቲ ለይቲ፣ሓለውቲ ክልዓሉ ምግባር ዘይልሙድ ዝኾነ ካብ መንግስቲ ፈፂሙ ትፅቢት ዘይግበረሉ ስራሕ ከምዝኾነን፣ነቶም ሓለውቲ ብምልዓል ንመናእሰይ ናብ ውሽጢ እቲ መንበሪ ብምእታው ስጉምቲ ናይ ምውሳድን ብስቪላት ንምምስማስን ዝተሓሰበ ነገር ከምዘሎ ኢና ሰሚዕና።”

ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኦሮሚያ ቁጥዐን ሰላማዊ ሰልፊን ተኻይዱ’ሎ።ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘእትው መንገድታት’ውን ተዓፂዮም ኣለው።

ናይ ፌደራል ፖሊስ ኮሚሽን ኮሚሽነር ጀነራል እንዳሻው ጣሰው ጀዋር ንዕኡ ክሕልው ተመዲቦም ዝነበሩ ሓልውቲ ክልዓሉ ብፌደራል ፖሊስ ይስራሕ ስለዘሎ እዮም ክልዓሉ ዝተገብሩ ኢሎም።

ናይ ውልቂ ሓለውቲ ናይ ምልዓል ስራሕ ክንሰርሕ ፀኒሕና ኢና።ንመጻኢ እውን ከም ኣድላይነቱ እናፈለና ክንሰርሕ ኢና።ስለዚ ብፖሊስ ስጉምቲ ተወሲዱኒ ኢሎም ዘሕለፉዎ መልእኽቲ ጌጋ እዩ።ብፖሊስ ይኹን ብመንግስቲ ዝተውስደ ስጉምቲ የለን።እቲ ሕብረተሰብ ክፈልጦ ስለዘለዎ ኢና ነዚ መብርሂ ንህብ ዘለና ኢሎም።

እቶም ኮሚሽንር ንመንእሰያትን ሕብረተሰብን ከምኡ እውን በብከባቢኡ ዝርከቡ ሓይልታት ፀጥታ ዝተዓፀው መንገድታት ክኽፈቱ ብምግባር እቲ ሕብረተሰብ ብሰላማዊ ኣገባብ ክንቀሳቐስ ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም ኣለው ።

ኣብ ጎደናታት ከተማ ኣምቦ እውን ሰባት ናይ ተቓውሞ ድምፆ ኣስሚዖም ኣለው።

‘’ጀዋር ዓይንና እዩ’’፣ ‘’ኣብ ልዕሊ ጀዋር ዝፍፀም መጥቓዕቲ ከም ኣብ ልዕሊ ቄሮ ዝፍፀም መጥቓዕቲ እዩ’’ዝብሉ ጭርሖታት የስምዑ ነይሮም።

ናይቲ ክልል ፖልስ ነቲ ሰልፊ ንምብታን ቶኽሲ ብምኽፋት ካብ ዘቑሰሎም ሓደ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ መንእሰይ ኣብ ’’ፊት ንፊት ዩኒቨርስቲ ኣዋሮ እየ ቆሲለ።ፖሊስ ቶኪሱ መንኮበይ ተሃሪመ፤ሕጂ ተሓኪመ ኣለኹ’’ኢሉ።

ነቶም መናእሰይ ካብ ዝሓከሙ ሓደ ዶ/ር ፍራውል ብዛዕባ እቶም ዝተጎድኡ ከምዚ ኢሎም።

“ኣብ ሆስፒታል ኣምቦ ደቂሶም ይሕከሙ ዘለው ሰለስተ እዮም።ሰለስቲኦም ብጥይት እዮም ቆሲሎም።እቲ ሓደ ኣብ ከብዱ ተውቒዑ መጥባሕቲ ይገብረሉ ኣሎ።”

እቲ ካልኣይ ኣብ ሕቑኡ እቲ ሳልሳይ ድማ ኣብ መንኮቡ ከምዝቖሰለን ሕክምና ይገብረሎም ከምዘለውን እቶም ሓኪም ገሊፆም።

ድምፂ ቶኽሲ ስዒቡ ናብ ኣምቦ ዘእትውን ካብ ኣምቦ ዘውጽእኑን መንገድታት ተዓፂዮምን ፈቐዶ መንገድታት ጎምታት ክቃፀሉን ተራእዮም ኣለው።

ምንቅስቓስ መጎዓዚያን ንግድን ደውው ኢሉ፣ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ድማ ተዓፂዮም ምውዓሎም ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ናይ ዓይኒ ምስክርነቱ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ብኣሽሓት ዝቑሰሩ ሰልፈኛታት ንጀውሃር መሓመድ ደገፎ ገሊፆም ኣለው።

ኣብ ወረዳ ኣወዳይ እውን ሰለስተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ነበርቲ ሓቢሮም።

ኣብ ድሬዳዋ እውን ዝሞተ ሰብ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

ናይ ኦሮሚያ ክልላዊ መንግስቲ ምኽትል ፕረዚዳንት ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ልዕሊ ጀዋር መሓመድ ዝተፈፀመ ተግባር ጌጋ እዩ፤መን ከምዝፈፀሞን ስለምንታይ ኣብ ምሸት ከምዝተገብረን ኣፃሪና ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ኢሎም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG