ዋሽንግተን —
ንሌባኖስን እስራኤልን ዘሰማምዕ ዛዛሚ ውዕል ማያዊ ግዝኣት ከምዝተዳለወን እዚ መስርሕ ናብ ታሪኻዊ ውዕል ክልቲኤን ሃገራት ከምዘሰጋርን፣ ወከልቲ ክልቲኤን ሃገራት ሎሚ ሰሉስ ገሊጾም።
እስራኤላዊ ራሽ ሃኒካ "እቲ ውዕል፣ ኣብ ምብራቃዊ ማያዊ ግዝኣት ማእከላይ ባሕሪ ንዝላዓል ምስሕሓብ ክፈትሖ ይኽእል እዩ" ክብል ከሎ፣ ፖለቲካዊ ፓርቲን ጉጅለ ሚሊሻ ሌባኖስ ህዝቡላሕ ብኣንጻሩ "እስራኤል፣ ኣብ’ቲ ዘሰሓሕብ ስፍራ፣ ነዳዲ ከተውጽእ እንተፈቲና፣ መጥቃዕቲ ክፍጸማ እዩ" ክብል ኣፈራሪሑ ኣሎ።
ሰበ ስልጣን እስራኤልን ሌባኖስን ንዘሳሓሕቡ ነጥቢታት ንምፍታሕ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣመሪካዊ ሸምጋሊ ኣሞጽ ሆችስተይን ተራኺቦም ከምዝነበሩ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።
ፕረዚደንት ሌባኖስ ሚካኤል ኣውን ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "እቲ ውዕል ምስ’ታ ንሃገሮም ኣፍልጦ ዘይትህብን ካብኡ ሰጊሩ ከምጸላኢት ትሪኣን እስራኤል ጽምዶ ንምፍጣር ክሕግዝ እዩ ማለት ኣይኮነን" ኢሎም ኣለው።