ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተወሳኺ ማዕረግ ምውሃቡ ተገሊጹ


ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ
ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ

ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ማዕረግ ፊልድ ማርሻል ተቐቢሎም።

ሎሚ ቀዳም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ንላዕለዎት ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ተወሳኺ ማዕረግ ከምዝተዋህበ ፕረዚደንት'ታ ሃገር ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊጸን።

በዚ መሰረት ኣብቲ ናይ ሎሚ ስነ ስርዓት ሓደ ናይ ፊልድ ማርሻል ማዕረግ: ኣርባዕተ ማዕረግ ጀነራል: 14 ናይ ሌተናል ጀነራል ማዕረግ: 24 ናይ ሜጀር ከምኡ'ውን 58 ናይ ብርጋዴር ጀመራል ማዕረግ ተዋሂቡ'ሎ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ስነ ስርዓት ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝረኸቡ ጀነራል ባጫ ደበሌ "እዚ ሎሚ ዝተዋህበ ተወሳኺ ማዕረግ ኣብ ወታሃደራዊ ኣሰራርዓ'ታ ሃገር ዓብይ ኣበርክቶ ኣለው" ኢሎም ኣለው።

Recommended

XS
SM
MD
LG