ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ‘ሓይልታትን መራሕቲን ክልል ትግራይ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ኢዶም ንክህቡ ድሕሪ ዝገልጽ መልእኽቲ ምቅለሖም፣ ብትዊተር ርእይቶ ዝሃበት ለቲሻ በደር ‘ንሙሉእ ነባራይ ከተማ፣ ዒላማ ክገብር እየ’ ኢልካ ዘረባ ‘ጅምላዊ ቅጽዓትን ግህሰት ዓለምለኸ ሕጊን’ እዩ ክትብል ትገልጾ።
እንታይ ማለትኪ እዩ? ዝብል ሕቶ ቀሪቡላ ተመራማሪት ሁማን ራይት ዋች ለቲሻ በደር ‘‘ናይ ኹናት ገበን ዝባሃል ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ብኣልማማ ደብዳብ ምፍጻም ዘጠቃልል እዩ። ብመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል ኣብዚ ቀረባ ዝሃቦ መግለጺ ‘ኢድኩም እንተዘይሂብኩምን ንህወሓት እንተዘይኣግሊልኩምን ብኣልማማ ዒላማ መጥቃዕቲ ክትኮኑ ኢኹም’ ምባሉ ‘ጅምላዊ ቅጽዓት’ ክባሃል ይኽእል እዩ ትብል።
ኣማኻሪት ሃገራዊት ጸጥታ ኣሜሪካን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ዝነበራ ሱዘን ራይስ ብወገን ‘እቲ ኣባሃህላ፣ ማዕረ ምፍጻም ‘ገበን ኹናት’ ማለት’ውን’ዩ’ ኢለን ኣለዋ። ምስ ሱዘን ራይስ ትሰማምዒ’ዶ? ንዝብል ሕቶ ክትምልስ ከላ ‘እው ክኾን ይኽእል እዩ። ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ደብዳብ ብኣልማማ ምፍጻም ‘ገበን ኩናት እዩ’ ኢላ።
ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ’ቲ ውግእ ዝሳተፉ ኩሎም ወገናት ንህዝቢ ካብ ጥቅዓት ክከላኸሉ ጸዊዑ እዩ። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ዘይስሩዕ መድረኽ ምይይጥ ከምዘካይድ ምንጭታትና ሓቢሮም ኣለው።
ማሕበረ ሰብ ዓለም ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ዝሰርሓሉ ዘሎ ኮይኑ’ዶ ይስማዓኪ? እንታይ’ከ ክግበር ኣለዎ? ትብሊ ዝብል ሕቶ እዩ ቀሪቡላ ለቲሻ በደር ‘እዚ ኩሉ ዓለም ለኸ ትኹረት ዝጠልብ ኮይኑ አሎ። ካብ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት’ውን ኣሻቃሊ መግለጺታት ይቃላሕ አሎ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ጉድኣት፣ ሕጋዊ ዒላማ ገይሮም ዝቆጽርዎ ስፍራታትን ንልዝብ ቅሩብ ዘይምዃንን እውን ሪኢና ኣለና’ ትብል።
ማሕበረ ሰብ ዓለም ካብ ተላዕለ፣ ናይ ትግራይ ውግእ ዓለም ለኻዊ መልክዕ’ዶ ሒዙ ኣሎ ትብሊ? መራሕቲ ትግራይ ‘ንመንግስቲ ኤርትራን ሃገረ ሕቡራት ዓረብ ኢምረትን ኣካል እቲ ውግእ ኮይኖም ኣለው’ ይኸሱ’ እሞ ሁማን ራይት ዋች ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ እንታይ ይብል? ተባሂላ ‘መልሲ የብለይን፣ ምኽንያቱ፣ ጭብጢ ኣብ ኢድና ስለዘይብልና ነዚ ሕቶ’ዚ ክምልስ ኣይክእልን እየ’ ኢላ።