ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያሪክ ኣቡነ ማቲያስ ብዛዕባ ናይ ትግራይ ኵናት ኣብ ዝሃቡዎ ፈላማይ ሪኢቶ ንናይ ኢትዮጵያ ተግባራት ብበሊሕ ብምንቃፍ ምጥፋእ ዘርኢ ይፍፀም ኣሎ ኢሎም ከምዝኣምኑ ገሊፆም።''ንህዝቢ ትግራይ ከብርሱዎ እዩ ድልየቶም''ኢሎምዎ ኣለው።ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ዮሴፍ ናይቶም ፓትሪያሪክ ሪኢቶ ናይ ውልቂ ሪኢቶ እምበር ናይቲ ሲኖዶስ መርገፂ ኣይኮነን ኢሎም።
ብኻሊእ ወገን ኣቡነ ማቲያስ ሎማዕንቲ ሶኑይ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣማባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ተራኺቦም ምዝርራቦም እቲ ኤምባሲ ገሊፁ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብናይ ተንቀሳቓሲ ስልኪ \ብሞባይል\ ኣብዝተቐረፀ ቪዲዮ እቶም ብዓል ፀጋ ዕድመ ፓትሪያሪክ ቅድሚ ሎሚ ንሚሊዮናት ስዓብቶም ንምዝራብ ዝገበሩዎ ፈተነ ከምዝተዓፈነ ሓቢሮም።ንሶም ብትውልዲ ትግራዋይ እዮም።
ናይ ትግራይ ግጭት ሻድሻይ ወርሒ ኣብ ዘቑፀረሉ ግዜ እዩ እዚ ቪድዮ ወፂኡ ዘሎ።ኣብ መንጎ ሓይልታት ኢትዮጵያን መሻርኽታን ናይ ትግራይ ሓይልታትን ብዝተኻየደ ውግእ ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።ስቪላት ዒላማ ምዃኖም ዓሰርተታት መሰኻኽር ንኣሶሼትድ ፕረስ \AP\ገሊፆም ኣለው።
‘'ንህዝቢ ትግራይ ከብርሱዎ እዩ ድልየቶም’’ዝበሉ ንሶም ‘'ስለ ምንታይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምጥፋእ ዘርኢ ንምእዋጅ ከም ዝደለዩ ንዓይ ግልፂ ኣይኮነን’’ኢሎም ብኣምሓርኛ ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ።ምብራስ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ጭፍጨፋ፣ ብሓይሊ ምጥማይን ስርቅን ሓዊሱ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ግፍዕታት ዘርዚሮም። ‘’ናይ ህዝቢ ትግራይ ጌጋ ኣይኮነን።ምሉእ ዓለም ክፈልጦ ኣለዎ’’ኢሎም ብምስዓብ።
ንሶም ‘’እዚ ሕማቕ እዋን ክሓልፍ ይኽእል እዩ’’ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።ዓለም ስጉምቲ ክወስድ እውን ፀዊዖም።
መንግስታዊ መራኸቢ ማዕኸናት ናይ መንግስቲ ትረካ ኣብ ዘንፀባረቕሉን ናይ ውልቂ ጋዜጠኛታትን ትግራዎትን ምፍርራሕን ምንክልባትን ይፍፀሞም ኣብዘለሉን እዚ ሪኢቶ ካብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ኣካል ዝተውሃበ ውግዘት እዩ።ብተወሳኺ ደማዊ ናይ ብሄር ወጥርታትን 5 ሰነ 2021 ኣ\ፈ ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እትቀራረብሉንን ግዜ ሓዊሱ ኢትዮጵያ ብዙሓት ቅልውላዋት ኣብ ዘጋጠምዋ ግዜ እዩ እዚ ቪዲዮ ዝወፅእ ዘሎ።
ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝመደብሩ Bridgs of Hope ንዝተብሃለ ትካል ዝመርሑን ምስቶም ኣቡን ናይ ዕርክነት ምቅርራባት ዘለዎምን ዴኒስ ዋድሊ ንAP ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ ምልልስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣዲስ ኣበባ ምስቶም ኣቡን ኣብዝተራኸብሉ እዋን ብታህዋኽ ነቲ ቪዲዮም ከምዝስኣሉዎ ገሊፆም።
‘’ኣይፎን ስልከይ ኣውፂአ ክትዛረቡ እንተደሊኹም ተዛረቡ’’ ኢለዮም ኢሎም ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ምስ ኣተው።‘’ናይ ልቦም እዮም ኣፍሲሶም...ብሓቂ ኣዚዩ የሕዝን።ቅድሚ ሎሚ ገይረዮ ዘይፈልጥ ሕቑፍ ኣቢለዮም’’ክብሉ ገሊፆም።
ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ቤተ ክርስቲያን ነቲ ቪዲዮንኣቡነ ማቲያስ ንህዝቢ ክወፅእ ምድላዮምን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣረጋጊፆም ኣለው።እቶም ፓትሪያሪክ ካብ ስደት ምስ ዝተመለሱ ኣቡነ መርቆሪዮስ ብሓባር ኣብ ምግልጋል ይርከቡ።
‘’ብዙሕ ነገር ተዛሪበ እየ፤እቲ መልእኽቲ ክስማዕ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፈቐደን።ኣብ ክንድኡ ተዓፊኑን ሳንሱር ኮይኑን እዩ’’ ኢሎም ኣቡነ ማቲያስ ኣብቲ ቪዲዮ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ‘'ብዙሕ ኣረሜናዊ ተግባራት ይፍፀሙ ኣለው’’ኢሎም ንሶም ‘’ኣብ ትግራይ ይኸውን ዘሎ ግን ዝለዓለ ግፍዕን ጭካነን እዩ’’ኢሎም።
እግዚኣብሄር ንኹሉ ክፈርድ እዩ እውን ኢሎም ብምውሳኽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሞት ስቪላት ‘’ኣዚዩ ከምዝሓዘነ’’ብምግላፅ ንናይ ትግራይ መራሕቲ ነበር ብምኽሳስ ነገራት ናብ ስሩዕ ይምለስ ኣሎ ይብል። ንትግራዎት ምፍላይን ዒላማ ምግባርን ብሰፊሑ ይካየድ ኣሎ ንዝብል ግን ነፂጉዎ ኣሎ።
መሰኻኽር ግን ሬሳታት ኣብ መሬት ተደርቢዩ ምርኣዮም፣ትግራዎት ናይ ኤርትራ ሓዊሱ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ጥምረትን ከምዝተሓዙን ከምዝተባረሩን ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀመንን ንAP ተዛሪቦም ኣለው።
ኣብያተ ክርስቲያን ናይ ጭፍጨፋ ዓውዲ እየን ኮይነን።ሓደ ዲያቆን ኣብ ኣክሱም ንAP ኣብ ዝ ሃቦ ቃል ኣብ ሕዳር ኣብ ቤት ክርስቲያንን እታ ከተማን ኣስታት 800 ሰባት ተቐቲሎም ብጃጃምላ ከምዝተቐበሩ ገሊፁ።
ኣብ 1942 ኣ\ፈ ዝተወለዱ ኣቡነ ማቲያስ ቅድሚ ሎሚ ብግልፂ ክዛረቡ ፀኒሖም እዮም።ኣብ 1980 ኣ\ፈ ንኮምኒስታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝኾነኑ ፈላማይ መራሒ ቤት ክርስቲያን ብምዃን ‘’ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ክስደዱ ዝተገደዱ እዮም’’ብመሰረት ናይ ሕቡራት መንግስታት ወኪል ስደተኛታት።
ብኻሊእ ወገን ፓትሪያሪክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ዝሃቡዎ ሪኢቶ ናይ ውልቆም እምበር ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዝውክል ኣይኮነን ክብል ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቶም ፓትሪያሪክ ዝሃቡዎ ሪኢቶ ብቅዱስ ሲኖዶስ ይኹን ብቀዋሚ ሲኖዶስ ዝርርብ ዝተገብረሉ ኣይኮነን ኢሎም ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁእ ኣቡነ ዮሴፍ ብመሰረት ፀብፃብ እስክንድር ፍሬው።
ሎማዕንቲ ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ ብዙሓት መግለፂታት ዝተውሃቡን ዝወሃቡን ናይ ምልኣተ ጉባኤን ናይ ቀዋሚ ሲኖዶስ ኣወንታን ክረኽቡ ከለው ምዃኑን ናይቶም ቅዱስ ፓትሪያሪክ መግለፂ ኣወሃህባ ብዝምልከት ቅዱስ ሲኖዶስን ቀዋሚ ሲኖዶስን ከይወሰነ እቶም ቅዱስ ፓትሪያሪክ ብውልቆም ነታ ቤተ ክርስቲያንን ቅዱስ ሲኖዶስን ብምውካል መግለፂ ክህቡ ኣይኽእሉን ኢሎም። ‘’ስለዝኾነ ቅዱስ ፓትሪያሪክ ዝሃቡዎ መግለፂ ብውልቆም ዝ ሃቡዎ እምበር ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳነ ኣይኮነን’’ኢሎም።
ናይ ኢትዮጵያ ኦሮቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ሰሊኹ ወፂኡ ኣብዝተብሃለ ቪዲዮ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝበሉዎን ናይ ኣረሜናዊነት ስራሕ ክብሉ ዝገለፁዎን ተግባር ኮኒኖም ኣለው።
እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ ዝሃቡዎ ሪኢቶ እቶም ፓትሪያሪክ ዝሃቡዎ ሪኢትዮ ካብ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ልሙድ ኣሰራርሓ ዝወፀን ዘይውክልን እዩ፤ዝምልከቶም ኣካላት እውን ነዚ ኣብ ግምት ከእትው እቶም ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ፀዊዖም ኣለው።
‘’ኣብ ዝቕፅል ርኽበ ካህናት ቅዱስ ሲኖዶስ ብኣጀንዳ ዝዘራረበሉ ምዃኑ እናገለፅኩ እቶም ቅዱስፓትሪያሪክ ዝሃቡዎ መግለፂ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳነ ዘይምዃኑ እናገለፅና እዚ እውን ናይ ዓለም መንግስታት፣ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር እትርከቡ ኢትዮጵያዊያን ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፈልጡዎን ክግንዘቡዎን ይግባእ’’ ኢሎም።
ብዝተኣሳሰረ ዜና ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴት ጊታ ፓሲ ምስ ፓትሪያሪክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ተራኺበን ምዝርራበን ተገሊፁ።ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ፌስቡክ ገፁ ከምዝገለፆ እተን ኣምባሳደርን ፓትሪያሪክን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታትን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሰብኣዊ ቅልውላውን ትግራይን እቶም ፓትሪያሪክ ኣብ ቀረባ ዝሃቡዎ ሪኢቶ ሓዊሱ ተዘራሪቦም ኣለው።እተን ኣምባሳደር እቲ ዝርርብ ብዝበለፀ ንቅድሚት ንምርይ ኣብቲ ኤምባሲ ኣብ ዝካየድ ኣኼባማሕበረሰብ እምነታት ክርከቡ ጋቢዘንኦም ኣለዋ።
እቲ ናይ ሎማዕንቲ ዝርርብ ቅድሚ ኢሉ ዝተትሓዘ ወይ ምስ ናይቶም ፓትሪያሪክ ናይ ቀረባ ሪኢቶ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ግን ንፁር ኣይኮነን።