ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ንህዝቢ ትግራይ ብኹናትን ምግንጻልን ምልዕዓል፡ ክኹነን ዝግብኦ ናይ ሰብ-ረብሓ ዕላማ`ዩ’- ዓረና ትግራይ


ኣብ ኣዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ መድረኽ፡ ምኽትል ኣቦ-መንበር ዓረና ኣቶ ጎይትኦም ጸጋይ “ኣብ`ዚ ቐረባ ኣብ ትግራይ ዝልዓሉ ዘለዉ ኩናትን ምግንጻልን ዝብሉ ነገራት ንህዝቢ ክልል ትግራይ ዝጠቕሙ ኣይኮኑን፡ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ ዝነበረትሉ ዘመን ርኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን” ኢሎም። “ኢትዮጵያውያን ከም ዝተፈናቐሉን ከምዝተጎድኡን እናተፈልጠ፡ ክልል ትግራይ ጥራይ ከምዝተጠቕዐት ጌርካ ምቕራብ፡ ኣቐዲሞም ካብ ኩናት ክርብሑ ዝጸንሑን ሕጂ`ውን ካብኡ ከትርፉ ዝደልዩን ጉጅለታት ሕጂ`ውን ኩናትን ምግንጻልን ይእውጁ ኣለዉ”።

ኣብቲ ናይ ኣዋሳ ህዝባዊ መድረኽ ምስ ዓረና ብሓባር ዝቐረቡ ኣቦ መንበር ፈደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ ፕሮፈሰር መረራ ጉዲና ብወገኖም፡ እታ ሃገር ኣትያቶ ካብ ዘላ ፖለቲካዊ መንቀራቕሮ ንምውጻእ፡ ቅድሚ ምርጫ፡ ቀዳማይ ሚንስትር ሃገራዊ ምርድዳእን ስምምዕን ከምዝፍጠር ክገብር ኣለዎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG