ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኔዘርላንድስ: ኢጣልያ ክትቕበላ ዝሓተተት 47 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ትነጽግ


ኔዘርላንድስ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ከይትዓርፍ ዝተኸልከለት 47 ስደተኛታት ዝጸዓት መርከብ ከምዘይትቕበል ሎሚ ሶኑይ ኣፍሊጣ ኔዘርላንድስ ነዚ ዝበለት ስደተኛታት ካብ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ዝፈልይ መለኽዒ ክህልው ኣለዎ ብምባል ምዃኑ ውን አረዲኣ።

ነቶም ስደተኛታት ዝጸዓነት “ሲ ዎች 3” ዝተባህለት መርከብ ዋንነታ ናይ ጀርመን ዘይመንግስታዊ ትካል ኮይና ኣብ ትሕቲ ባንዴራ ኔዘርላንድስ ትንቀሳቀስ ከምዝነበረትን ነቶም ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምዘድሓነቶም ይፍለጥ።

ምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ኢጣልያ ሊዊጂ ደ ማን ዮ እታ መርከብ ናብታ ሓላፍነታ ተጉድል አላ ዝበልዋ ፈረንሳ ወይ ናብ ኔዘርላንድስ ክትከይድ አለዋ ኢሎም።

እታ መርከብ ንዝሓለፈ ሸውዓተ መዓልታት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ምጽንሓ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG