ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኔቶ ንምውፋር ተወሳኺ ወታሃደራት ኣመሪካ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ትንእድ


ወታሃደራት ኣመሪካ ኣብ ምዕራብ ፖላንድ -ፋይል
ወታሃደራት ኣመሪካ ኣብ ምዕራብ ፖላንድ -ፋይል

ዋና ጸሓፊ ኔቶ (ኪዳን ሰሜን አትላንቲክ) የሰን ስቶለንበርግ፣ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ "ኣመሪካ፣ ንሰራዊታ ኣብ ኣውሮጳ ከዋፍር እየ" ምባላ ከምዝንእዱ ገሊጾም።

ውጥረት ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩስያን ኣብ ዝናሃረሉ እዋን፣ ኔቶ ተወሳኺ ሓይሊ ኣብ ደቡባዊ ምብራቅ ኣውሮጳ ከዋፍር እየ ከምዝበለ’ውን ዝዝከር እዩ።

ስቶለንበርግ ኣብ መግለጺኦም "ሩስያ ነቲ ውጥረት ንክተታሃዳደኦ ኔቶ ሎሚ’ውን ይጽውዕ፣ ሩስያ ትፍጽሞ ጎበጣ ከቢድ ሳዕቤንን ዋጋን ዘኽፍል እዩ' ከምዝበሉ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

ሩስያ ኣብ ጥቃ ምስ ዩክረይን ልዕሊ 100 ሽሕ ሰራዊት ኣጸጊዓ ኣላ። እዚ ተግባር ሩስያ ድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ኩናት እቲ ዝዓበየ ከምዝኾነ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

Recommended

XS
SM
MD
LG