ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኔቶ፤ ሩስያ ኣቐዲሙ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ኑክሌር ክትምእዘዝ ይሓትት


ፋይል
ፋይል

ኣባላት ሃገራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ ሩስያ ኣብ መንጎኣንን ኣመሪካን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍጽጻር ፍርያት ኒክሎራዊ ኣጽዋር ብዘይ ምትግባራ ዘለወን ስክፍታ ገሊጸን።

ዝምድና ኣመሪካን ሩስያን ድሕሪ ወራር ዩክሬን ኣብ ዝሓርፈፈሉ፡ “ሩስያ ንውዕል ተፍትሽን ምቍጽጻርን ክልተ ሃገራት ትጥሕሶ ኣላ፡” ክትብል ኣመሪካ ትኸስስ ኣላ።

ኣመሪካ፡ ንሩስያ ነቲ ናይ ምቍጽጻር ውዕል ዕሽሽ ብምባልን ነቲ ግዜ ብምስግጋርን ትኸስስ። መራሕቲ ሩስያ ድማ ዋሺንግተን ነቲ ውዕል ብምጥሓስ ኣብ ምዕናው ኣጽዋር ሩስያን ምሕጋዝ ዩክሬንን ምውፋር ይውንጅሉ።

እቲ ኣብ መንጎ ክልተ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ኒክሎራዊ ኣጽዋር ዝተፈረመ ኒው ስታርት (New Start) ዝተሰምየ ሓቛፊ ውዕል፡ ኣመሪካን ሩስያን ንፍርያት ኒክሎራዊ ኣጽዋርን ቦምባን ሓድሕደን ዝከታተላሉን ዝቆጻጸራሉን’ዩ።

ኒው ስታርት ዝተሰምየ ውዕል ኣብ እዋን ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ 2010 ዝተፈረመ ኰይኑ፡ ኣመሪካን ሩስያን 1550 ኣጽዋር ጥራይ ከዋፍራ ዝድርት’ዩ። እዚ ስምምዕ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ብዝሒ ኒክሎራዊ ቦምባታት ብ30% ይጎድል።

ስምምዕ ኒው ስታርት’ውን ከበድቲ ቦምባ ላውንቸራት ናብ ፹0 ዝድርት’ዩ። እዚ ብዝሒ ኒክሎራዊ ቦምባታት ግን ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ዘርኢ ሰብ ከጽንት ዝኽእል ሓይሊ ኣለዎ፡፡ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ።

XS
SM
MD
LG