ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኔቶ ሓገዝ ንቱርኪ ይጽውዕ


ዋና ጸሓፊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ጀነራል ጀንስ ስቶልተንበርግ ሎሚ ኣብ ኣንካራ ቱርኪ ተረኺቡ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ፡ ኣባል ሃገራት እቲ ኪዳን ነታ ብባህርያዊ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሃስየት ቱርኪ ንምሕጋዝ ኣብ ጎድና ከም ዘለዋ ገሊጹ። ብስም ኪዳን ኔቶ ዝተሰምዖ ሓዘን ዝገለጸ ጸሓፊ፡ ንዝዓነወ ትሕተ-ቅርጺ እታ ሃገርን ዝተመዛበሉ ዜጋታትን ንምሕጋዝ ክሰርሑ ምዃኖም ሓቢሩ።

ምሕደራ ህጹጽ ሓደጋ ቱርኪ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ በቲ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሞቱ ዜጋታት ብዝሖም 36,187 ክበጽሕ እንከሎ፡ 108-ሽሕ ድማ ቆሲሎም።ከም ጸብጻብ እቲ ትካል እቲ ኣብ 6 ለካቲት 2023 ዘጋጠመ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ክንድኡ መጠን ደኣ ኣይዅን እምበር፡ ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ 4,300 ግዜ ተርእዮታት ናይ ድሕረ-ምንቅጥቃን ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብ ሶርያ’ውን ዛጊት 5,500 ዜጋታት በቲ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምሟቶም ሕቡራት ሃገራት ምስ መላፍንቲ ኣካላት ብምዃን ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ብዘይካ’ቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ዝቖሰሉን፡ ሚልዮናት ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከድሎም እንከሎ፡ ምስ ከቢድ ዛሕሊ እቲ ከባቢ ኣብ ስራሓት ህይወት ኣድሕን ተዋፊሮም ዘለዉ ኣካላት’ውን ክንድቲ ዝድለ መጠን ሓገዝ ክህቡ ከም ዘይከኣሉ ይግለጽ።

ትካላት ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ብዂናትን ሰብ-ሰርሖ ምምዝባዕን ተሃስዩ ዝጸንሐ ወገናት ሶርያ ሓገዝ ንምብጻሕ ይሰርሑ ኣለዉ። እንተዀነ ምስቲ ዝጸንሐ ስእነት መሰረታዊ ቀረባት፡ ሓገዝ ንምብጻሕ ኣመና ኣጸጊሙ ምህላዉ ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ሰብ-መዚ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG