ናጽነት ፕረስ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ስግኣት ወዲቑ ይርከብ። ብመሰረት ኮሚቴ ተሓላቒ ጋዜጠኛታትን ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራትን ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2018 ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም፡ ተጨውዮምን ተአሲሮምን’ዮም።
ዝሓለፈ ሚያዝያ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሓደ አባል ሚድያ ተመሲሉ ብምእታው ነታጒ ዝፈንጀረ አባል ዳዒሽ 26 ሰባት ቐቲሉ -ኻብኣቶም ግዳያት ነቲ ፈላማይ ፍንጀራ ንምጽብጻብ ዝተጓዕዙ ጋዜጠኛታት ይርከብዎም።
ዝሓለፈ ሰነ ድማ ሓደ ብረት ዝሓዘ ሰብ ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ናብ ዝርከብ ክፍሊ ምድላው ጋዜጣ ድሕሪ ምእታው ተኹሲ ከፊቱ ሓሙሽተ አባላት’ታ ጋዜጣ ቐቲሉ።
ኣብ ጥቅምቲ ንዋሽንግተን ፖስት ዝጽሕፍ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሹጊ ኣብ ቱርኪ ኣብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ተቐቲሉ።
ካብ ጭውያ ጀሚርካ ክሳብ ማእሰርትን መቕተልትን ንጋዜጠኛታት ዝሓድሮም ስግኣት ኣብ ምዕራግ ይርከብ።
ከም ሓበሬታ ዶብ-ኣልቦ ሪፖርተራት፡ኣብ 2018 ብውሕዱ 63 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም።
ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ዝተቐተሉለን ሰለስተ ሃገራት ኣፍጋኒስታን፡ ሶርያ፡ ሜክሲኮን`የን። ካብ ዝተኣሰሩ ድማ ፍርቆም፡ ኣብ ቻይና፡ ቱርኪ፡ ግብጺ ይርከቡ።
ኣብ`ዚ ኣብ ኣሜሪካ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣንጻር ሚዲያ ቆየቛ ብምሕያሉ፡ ነቶም ካልኦት ንፕረስ ከጥቅዑ ዝደልዩ መራሕቲ ኣርኣያ ኾይኑ`ዩ። “ ብዙሓት ሪፖርተራት ነቲ ሓቂ ብዘይምቕራብ ህውከት ይፈጥሩ`ለዉ። ናይ ሓሶት ዜና ህውከት ይፈጥሩ`ለዉ።”
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ገለ ሃገራት`ውን ኣወንታዊ ምዕባለታት ተራእዩ`ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሓዲሽ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ዲሞክራሲያዊ ለውጥታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ ዋላ ሓደ`ኳ ዝተኣሰረ ጋዜጠኛ ዘይብላ ሃገር ኾይና`ላ። ኣብ ኢኳዶር፡ ደቡብ ኮርያ፡ ጋምቢያን`ውን ገለ-ምምሕያሽ ከምዝተራእየ ማሕበራት ናጻ ፕረስ ይጠቕሳ።