ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናጽነት ፕረስ ሃገራት ዓለም የንቋልቁል ምህላው ሓድሽ ጸብጻብ ፍሪደም ሃውስ ገሊጹ


ኣብ ዓለም ናፃነት ፕረስ የንቆልቁል ከምዘሎ ፍሪደም ሃውስ ዝተብሃለ ንናፃነት ፕረስ ዝሕለቕ ትካል ገሊፁ።እዚ ምንቁልቋል ናፃነት ፕረስ ንነዊሕ እዋን ናፃነት ፕረስ ኣብ ዝተረጋገፀለን ሃገራት እውን ይሓውስ።ዓፈና ሚዲያ ካብ ማእኸላይ ኣውሮጳ ክሳብ ኣሜሪካ ከምዝተጋፍሐን ብምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ማዕኸናት ዜናን ሓዱሽን ኣሻቓልን መጥቓዕትታት ይፍኖ’ሎ ይብል።

ብመሰረት ሓዱሽ ፀብፃብ ፍሪደም ሃውስ ናፃነት ሚዲያ ናይ ቻይና ናይ ዓለም ፅልዋ ተኣፋፊ ዴሞክራሲ ናብ ዘለወን ሃገራት ሓደጋ ሒዙ ይመፅእ ኣሎ ይብል ።

ላዕለወይቲ ዳይረክተር መፅናዕትን ትንታነን ፍሪደም ሃውስ ሳራ ረፑቺ ቻይና ብመልእኽትታታ ኣቢላ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ድፍኢት ከምእትገብርን ዲፕሎማትን ወነንቲ ሚዲያን ኣብ ክንዲ ቤጂንግ ሳንሱር ክገብሩ ትሰርሕ ከምዘላን ገሊፀን።

ፍሪደም ሃውስ የማናዊ ክንፊ ህዝበኝነት እናዓበየ ምኻዱ ነፃነት ሚዲያ ዓለም ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ክወድቕ ካብ ዝገበሩዎ ሓደ እዩ ይብል ።

ኣብ ዓለም ዝተሓተ ነፃነት ፕረስ ዘለዎ ክፋል ዓለም ኢሮሻያ/ኣውሮጳን ኢስያን/ ብ9 ሚእታዊት ማእኸላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ድማ ብ11 ሚእታዊት ወሪዱ’ሎ።

ነፃነት ፕረስ ኣለወን ተባሂለን ካብ ዝተመደባ 16 ሃገራት ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ሃገራት ምውራድ ከምዝተርኣየ ፍሪደም ሃውስ ገሊፁ።ነቲ ሪፓርት ኣብ ምድላው መሪሕ ታራ ዝነበረን ሳራ ረፑቺ ናይ ዓለም ሓያል ዴሞክራሲያዊት ሃገር ኣሜሪካ ንምፍርራሕን መጥቓዕትን መራኸቢ ማዕኸናት ዝከላኸል ሕጊ ዘለዋ ሃገር እያ ኢለን።

“እተን ቀንዲ መራኸቢ ማዕኸናት ዝፍነወን መጥቓዕቲ ብምምካት ሰበስልጣን ተሓተቲ ዝገብር ሓበሬታ ምውፅአን ቀፂለን ኣለዋ።እቲ ስኽፍታ እቲ ዝተለምደ ይቕየር እሞ ናብቲ ዝነበርናዮ ንምምላስ ከቢድ ስለዝኸውን እዩ።”

ረፑቺ ወሲኸን ማሕበራዊ መራኸቢ ጉድለት እንተሃለዎ እውን ከም ሱዳንን ቬኔዝዌላን ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ንጋዜጠኛታትን ዴሞክራስን ዓብይ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ ኢለን ።

XS
SM
MD
LG