ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ዙምባብወ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ተንዳይ ቢቲ ኣብ ዛምቢያ ዘቕረቡዎ ሕቶ ዕቑባ ውዱቕ ኮይኑ


 ኣብ ዚምባብወ ድሕሪ ምርጫ ዝተኻየደ ተቓውሞ
ኣብ ዚምባብወ ድሕሪ ምርጫ ዝተኻየደ ተቓውሞ

ናይ ዙምባብወ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ተንዳይ ቢቲ ኣብ ዛምቢያ ዘቕረቡዎ ሕቶ ዕቑባ ውዱቕ ምዃኑ ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ።

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዳይረክተር ሁማን ትራይትስ ዎች ደዋ ማቪንጋ ዛምቢያ ንቢቲን ካልኦት ሓሙሽተ ዚምባቤያዊያንን ናብ ዙምባቤ ክመልስዎም ትፅቢት ኣሎ ክብሉ ብትዊተር ምፅሓፎም ፀብፃባት ዜና ሓቢረን።

ቢቢሲ ዝተጠቐሶም ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ዛምቢያ ጆ ማላንጂ ቢቲ ዘቕረብዎ ናይ ዑቕባ ሕቶ ድኹም እዩ፤ክሳብ ናብ ዙምባቤ ዝምለሱ ኣብ ሕሉው መፅንሒ ተታሒዞም ኣለው ክብሉ ገሊፆም።

ቢቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ስዒቡ ብዝተለዓለ ግጭት ፖሊስ ህውከት ኣልዒሎም ኢሉ ይደልዮም ካብ ዝነበሩ ትሽዓተ ኣባላት ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ሓደ እቶም።እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ምርጫ’ታ ሃገር ፕረዚደንት ኤመርሰን ሙናንጋግዋ ንክስዕሩ ተገይሩ ተጨበርቢሩ ኢሎም ይኸሱ።

ቢቲ ፕረዚደንት ሙናንጋግዋ ተዓዋቲ ናይቲ ምርጫ እየ ኢሎም ቅድሚ ምእዋጆም ቅድሚ ሓደ መዓልቲ መራሕቲ ተቓዋሚ ኔልሰን ቻሚሳ ነቲ ፕረዚዳንታዊ ምርጫ ስዒሮም እዮም ክብሉ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG