ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ናይ ውሕስነት ጸገም የሎን' በዓል-መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ


መዓርፎ ነፍርቲ ቦሌ

በዓል-መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ: ኣመሪካ ብረቡዕ ንስእነት ውሕስነት ጸጥታ መዓርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መግለጺ ብትሪ ነጺግዎ። ኣብቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ፡ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እንኮላይ መዓርፎ ነፍርቲ ቦሌ ውሑስ ስለ ዘይከውን ኣመሪካውያን ኣብረርቲ ጥንቃቐ ክገብሩ ዝጽውዕ’ዩ ነይሩ። እቲ ናይ መጠንቀቕታ መግለጺ ምስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝቐርብ ዘሎ ኲናት፡ ነፍርቲ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ብተተኰስቲ ክህረማ ተኽእሎ ከም ዘለወን ዘመልክት’ዩ።

በዓል-መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “እቲ ዝወጸ መጠንቀቕታ ብመራኸቢ ብዙሃን ክጋዋሕ ንዝጸንሐ ሓበሬታ ምርኵስ ዝገብርን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን’ዩ” ክብል ገሊጹዎ ኣሎ። እቲ መግለጺ ወሲኹ በዓል-መዚ ሲቪል ኣቭየሽን፡ “ዓለምለኸ ኣገባባት ድሕነት ብዘውጽኦ መምርሒ ንኽክተልን ድሕነት ተጓዓዝቲና ንምርግጋጽን ድማ ንሰርሕ ኣሎና፡” ክብል መሊሱ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG