ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ክልል ትግራይ ፕረዚደንት ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ዝሃብዎ ፈላማይ መግለጺ 


ፋይል
ፋይል

ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ኹናት አብ ክልል ትግራይ ካብ ዝጅመር ንዳሓር ንፈለማ ጊዜ ብቴለቭዥን ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ንመሪሕነት እቲ ክልል ካብ ሕዳር ንደሓር አጋጢሙ ዝነበረ ፈተና ‘ዓይነ መርፍኡ ዝጠፍኦ ክፉእ ጊዜ፣ አንጻር ወረርቲ ገጢምካ ንምስጋር ከቢድ፣ ዓወት ምምጻእ ጸልማት መሲሉ ዝተራኣየሉ እዋን’ ከምዝነበረ ገሊጾም። ንሶም ነዚ መግለጺ ዝሃቡ ድሕሪ ሕዳር ዝጀመረ ኹናት ክልል ትግራይ ንፈለማ ጊዜ ኣብ መቐለ ትማሊ ሶሉስ ብቴሌቭዥን ትግራይ አብ ዝሃብዎ መግለጺ እዩ።

ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል አብ መደረኦም "ብውዲትን ብዘይሕጋዊ መገዲን፣ ብሓይሊ መልጢ ይገዝእ ዘሎ ፋሽሽታዊ ጉጅለ አብዪ ኣህመድ" ዝበልዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ህዝቢ ትግራይ ብዘካየዶ ታሪኻዊን ሕጋዊን መረጻ ንዝተጣየሸ ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ አይፈልጥን አይቅበልን ኢሉ" ኢሎም።

ዶ/ር ደብረጽየን"ብቀንዱ ካርታ ትግራይ ካብ ዓለም ንምጥፋእ፣ ህዝቢ ትግራይ ድማ ካብ ገጽ ምድሪ ንምስዋርን ዘርኡ ንምጽናትን፣ እዞም ወረርቲ ኣብ ኢዶም ንዝነበረ ኩሉ ዓይነት ዓቅምታትን ከምኡውን ካብ ጎይቶቶም ዝሓርጎትዎ ናይ ጥፍኣት ሓገዛት ኣዋዲዶም ንህዝቢ ትግራይ ንምጭፍላቅ ተማሓሒሎም ኣብ’ቶም ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተኸታተልቲ ዝኾኑ ከበድቲ ወራራት ብዘይምቁራጽ ኣካይዶም እዮም"ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም "ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ይፍጸም እዩ ኢልካ ክትሓስቦስ ይትረፍ ክሕለም እዩ ተባሂሉ ዘይግመት ኣረመኔያዊ ግፍዒታት ብምፍጻም እንኮላይ ንማሕበረ- ሰብ ዓለም ዘደንገጸ ተግባራት ፈጺሞም እዮም። "

ንሶም አስዒቦም፣ "ፈተውትና፣ ደገፍቲንን መጻምድናን ከምዝዕዘብዎ ነካይዶ ዘለና ህዝባዊ ኹናት ተገዲድና ዝኣተናዮ’ምበር ምርጫና አይነበረን። ኮይኑ’ውን ኣይፈልጥን" ኢሎም::

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅድሚት ብዛዕባ ይጽበዮ ዘሎ ከበድቲን በዳህቲን መደባት አመልኪቶም ክዛረቡ ከለው ዶ/ር ደብረጽየን ሃገረ ጀርመን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘጋጠማ ዕንወትን ብድሆታትን ዕድላትን ከምኣብነት ብምጥቃስ ተዛሪቦም።

"ንቀጻሊ’ውን ንህዝቢ ትግራይ ንድሕሪት ዝመልሶ ምድራዊ ሓይሊ ፈጺሙ ኣይህሉን። ህዝቢ ትግራይ ዝጎድልዎ ነገራት ኣለልዩ፣ ቀልጢፉ ኣስተኻኪሉን፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንቅድሚት ምስጓሙ ኣይቀርን። እዚ ቃል’ዚ ከምንትግብሮ ንፈታዊን ጸላኢን ክንገልጽ ንፈቱ::"

ዶ/ር ደብረጽየን ናይ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን መደባት፣ መዓንጣና ኣስጢምና ብምስራሕ፣ መጠናዊን ዓይነታዊን ሕብረተሰባዊ ለውጢ ብምምዝጋብ ካልእ ሓድሽ ታሪኽ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG