ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ልኡኽ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኤርትራ:አዲስ አበባ ኣትያ


ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ናይ ኤርትራ ጉጅለ ልኡኽ ባህልን ዲፕሎማሲን ንቀዳማይ ምርኢቱ ባህርዳር ኣትዩ`ሎ ።

ናይ ኤርትራ ጉጅለ ልኡኽ ህዝባዊን ባህላዊን ዲፕሎማሲ: ትማሊ አዲስአበባ ምእታው ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሓቢሩ`ሎ ።

ኣብቲ ናይ ኣቀባበል ስነ ስርዓት ዝተረኽቡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣቶ ሬድዋን ሑሰን፡ ዕላማ’ቲ ምብጻሕ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሃገራት ዝተበጽሐ ሰላምን ስምምዕን መሰረት ብምግባር፡ ስነ ጥበብ መሰረት ዝገበረ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝምድና ንምፍጣርን ንምሕያልን ምዃኑ ሓቢሮም ።

ብተወሳኺ ምብጻሕ እዚ ጉጅለ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝጸንሐ ታሪኻዊን ህዝቢ ንህዝቢ ዝምድናን ንምሕያል ዝዓለመ ምዃኑ`ውን ገሊጾም ።

መራሒ’ቲ ጉጅለ ኣቶ ሚካኤል ተፈሪ ብወገኖም፡ ናይ ኤርትራ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብ ኢትዮጵያ ምብጽሑ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነትን ብሩሕ መጻኢ ዘብስር’ዩ ኢሎም ።

ኣቶ ሚካኤል ተፈሪ “ናይ ኹናትን ምርሕሓቕን ጊዜ ኣብቒዑ ናይ ሰላም” ምርግጋእ: ብልጽግና: ምሕዝነት: ሰናይ ጉርብትናን ብሩሕ መጻኢን ብስራት ሒዙ ዩ መጺኡ” ኢሎም ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ነብያት ጌታቸው ብወገኖም “ህዝብታት ክልቲኦም ሃገራት ብባህሊ ብቋንቋ ምትእስሳር ዘለዎም’ዮም፡ እዚ ናይ ህዝብታት ምትእስሳር ድማ ኣብቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ዝካየድ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ዓብይ ኣበርክቶ ዘለዎ’ዩ: ባህላዊ ዝምድና ድማ ንቁጠባዊ ዝምድና’ውን መሰረት’ዩ” ኢሎም ።

ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ኢትዮጵያ ምርኢት ዘቕርብ ልዕሊ 60 ኣባላት ዝሓዘ ናይ ኤርትራ ባህላዊን ዲፕሎማሲያውን ጉጅለ፡ ጽባሕ ቀዳም ብከተማ ባህርዳር ንምጅማር ሎሚ ምሸት ባህርዳር ከምዝኣተወ ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ። ካብ ባህርዳር ቀጺሉ፡ ኣብ ኣዳማ፡ ኣዋሳን፡ ኣዲስ ኣበባን ምርኢት ከርኢ`ዩ።

XS
SM
MD
LG