ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ፀረ-ግብረ ሽበራ ኣኼባ ኣብ ኬንያ ይቓናዕ ኣሎ


ኣፍሪካ ኣብ ፀረ-ግብረሽበራ እንተካይዶ ዘላ ወፍሪ መንግስታት ዓለም ብገንዘብ ክሕግዙዎ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ፀዊዖም።ንሶም ነዚ ፃውዒት ዘቕረቡ ኣብ ናይሮቢ ይካየድ ኣብዘሎ ናይ ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ፀረ-ግብረ ሽበራ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዩ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ወኪላት ዓለምለኸ ትካላት ተረኺቦም ኣለው። ኣንቶኒ ጉተረስ ኣብ መደረኦም “ማሕበረሰብ ዓለም ኣብዚ ዞባ ኣንፃር ግብረሽበራ ይዋግኣ ንዘለዋ ሃገራት ክሕግዙ ኣለዎም።ግብረሽብራ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባትን ማሕበረሰባትን ጉድኣት እናውረደ ይርከብ።ግብረሽበራዊያን ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ዓለም ኣብ ኣፍቃካ እውን ኣገዲድካ ምድፋር ከም መፈራርሒ ይጥቀምሉ እዮም ዘለው፡ ቆልዑ ንህልውንኦም ክብሉ ናብ ጉጅለታት ግብረሽበራ ይፅምበሩ ኣለው።ህዝብታት ኣፍሪቃ ግን ፅልእን ግብረሽበራን ንዝዝርግሑ ክንዲ ዝክኣሎም ይገጥሙዎም ኣለው።”

ኣፍሪቃ ናይ ባዕላ ዝኾነ ኣገባብ መቆፃፀሪ ግብረሽበራ ክትሕንፅፅ ኣለዋ ዝበሉ ጉተረዝ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ግብረሽብራ መረዳእታ ክለዋወጡ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላፅ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኬንያን ዘሎ ከም ኣብነት ጠቒሶም።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተዛረቡ ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ግብረሽበራን ጥሩፍነትን ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ኣፍሪቃ ምግፍሑን ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ብዝተኽኣለ መጠን ኣብ ናይ ምክልኻል ምንቅስቓስ ይሰርሕ ከምዘሎን ገሊፆም።

“ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣልጀርስ ንዝተፈፀመ ግብረሽበራዊ መጥቓዕቲ ዘፅንዕ ማእኸል መፅናዕቲ ኣፍሪቃ ኣጣይሱ’ሎ።ኣብ ጅቡቲ ኣብ ስራሕ ዝርከብ ምልውዋጥ ሓበሬታ መሓውር ደሕንነትን ፀጥታን ኣሎ።ሓይልታት ፖሊስ ናይታ ኣህጉር ብሓበሬታ ንምርኻብ እውን ይስራሕ ኣሎ።ሕብረት ኣፍሪቃ ንናይ ሶማልን ሃገራት ሳሕልን ምዕቃብ ሰላም ይምውል እዩ ዘሎ”ኢሎም።

ኣብቲ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተሳተፍሉ ኣኼባ ናይ ኬንያ ፕረዚደንት እሁሩ ኬንያታ እውን መደረ ከምዘስምዑ ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ናይ ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ፀረ-ግብረ ሽበራ ኣኼባ ኣብ ኬንያ ይቓናዕ ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:22 0:00


XS
SM
MD
LG