ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኣሜሪካ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ዓለም ዓመተ 2020


ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ዘውፀኦ ፀብፃብ ትማሊ ሰሉስ ወግዓዊ ገይሩ ።

እቲ ፀብፃብ ሃገራት ካብ መሰል ምምራፅ ጀሚረን ስጋብ ኣብ ስራሕ ቦታ ንዜጋታተን ዘለወን ኣተሓሕዛ ዝመርመረ እዩ ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዘውፀኦ ፀብፃብ መንግስታት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ህዝቦም እንታይ ይመስል ዝብል ፀብፃብ ኣብ 2020'ውን እንተኾነ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ብዘስካሕክሕ መልክዑ ይሳቀዩ ምህላዎም ዝሕብር እዩ ።ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሌንከን ኣብ መኽፈቲ እቲ ሪፖርትእቲ ኩነታት ይጋደድ ምህልዉ እዮም ጠቂሶም ።

"ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ፀብፃብ ከምዝሕብሮ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘሎ ሓፈሻዊ ኣካይዳ ብዝተጋገየ ኣንፈት ይጉዓዝ ምህላዉ ዘመላኽት እዩ ። ኣብ መላእ ዓለም ነዚ ዘራጉድ መረዳእታ እዩ ዘሎ ኣብ የመን ይካየድ ብዘሎ ጎንጺ ኣብ ህዝቢ የመን ይወርድ ዘሎ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ንርኢ ኣለና ። ፆታዊ ዓመፃት፣ቅትለትን ግፍዓዊ ጨፍጫፋትን ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ምፍፃሞም ካብ ተኣማኒ ሪፖርት ሪኢና ኢና ።

መቅተልትን መጥቃዕትን ብገዛእቲ ሶርያ ዝፍፀሙን ከምኡ'ውን ይካየድ ብዘሎ ኲናት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ሆስፒታላትን ዕዳጋን ሓደጋ ይወርድ ኣሎ።"

ብሊንከን ወሲኾም መንግስቲ ቻይና ኣብ ዉሁዳን ዓሌትን ኣመንትን ኡሁራውያውያን ዘብፀሖ ዘሎ ሓደጋ "ምፅናት ዓሌት" እዩ ዝፍፅም ዘሎ ኢሎም ።እቲ ሪፖርት ኣብ ከም ሩስያ፣ ቤላሩስ፣ ቬንዙዌላን ዩጋንዳን ዝበላ ሃገራት ኣብ ተቃወምትን ጋዜጠኛታትን ዝበፅሕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዘርዚሩ እዩ ። ኣብ ዋሽንግቶን ዳይሬክተር ሁማን ራይትስ ዎች ሳራ ሆሊንስኪ ከምዝበለኦ እቲ ሪፖርት ምምሕዳራዊ ለውጢ ክመፅእ ዝሕብር እዩ ይብላ ።

"ቅንዕ ኢልካ ብዛዕባ ትርጉም ሰብአዊ መሰላት ክትሓስብ ከለኻ ኢራን እያ ቀዲማ ናብ ርእስኻ ትመፅእ ፣ ብፍላይ እዚ ምምሕዳር 'ውን ነዞም ዝፍፀሙ በደላት ነቂሱ ንምውፃእ ድልየት ዘለዎ ይመስለኒ:: "

ብሊንከን ፓርቲ ሃገራዊ ሊግ ንዴሞክራሲ ኦንግ ሳን ሱኪይ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ምስ ሰዓራ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንዘካየዶ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ኣብ ማይኒማር ዘጓነፈ ህልቂት ጠቂሱ እዩ ። ሳራ ሆሊዊንስኪ ኣብቲ ሪፖርት ሰፊሩ ዝርከብ ተሓታትይነት ንግዳያት ሓቦ ዘስንቅእዩ ይብላ ።

"መንግስታት ከምዚኦም ዝበሉ ፀብፃባት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ፖሊሲታቶም ክድሕስሱ እንተጀሚሮም ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጠረጴዘኦም ኣሎ ማለት እዩ ። "

ንሰን ወሲኸን ከምዚኦም ዝበሉ ሪፖርትታት ናብ ሕጊ መውፃእቲ ምቅራቦም ኣፅዋር ዝህባ ሃገራት ንመን ይህባ ምህላወን ቀዲመን ክውስና ተጽዕኖ ዘሕድር እዩ ኢለን ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ናይ ኣሜሪካ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ዓለም ዓመተ 2020
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:45 0:00


XS
SM
MD
LG