ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኢትዮጵያ ጉዳያት እስልምና ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ልዕሊ መስጊድ ንጉስ ነጃሽ ዝወረደ መጥቃዕቲ ከምዝኹንን ኣፍሊጡ


ናይ ኢትዮጵያ ጉዳያት እስልምና ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ልዕሊ ዓለምለኸ ቕርሲ ዝኾነ መስጊድ ንጉስ ነጃሽ ዝወረደ መጥቃዕቲ ከምዝኹንን ኣፍሊጡ።

ነቲ መግለጺ ብጽሑፍ ዘቕረቡ፡ዋና ጸሓፊ`ቲ ቤት ምኽሪ ሸኽ ቃሲም ታጁዲን መሓመድን ሓሊፊ ሓጅን ዑምራን ዶ/ር ጀይላን ገለታን`ዮም።

ንሳቶም ኣብቲ መግለጺኦም፡ ናይቲ መስጊድ ኣካልን ስፍራ መቓብርን በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተጎድኡን፡ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ከምዝጠፍኡን ኣፍሊጦም።

ነቲ ብዝምልከት ተሓታታይነትን ሕጊ ንክሰፍን እቲ ቤት ምኽሪ ንመንግስቲ ሕቶ ምቕራቡ`ውን ብምጥቃስ ዋና ጸሓፊ ቃሲም ከምዚ ኢሎም፡ "ጠቕላሊ ቤት ምኽርና ኣብ ልዕሊ`ዚ ዓቢይ ቅርስን መስጊድን ኣብ ቀረባ ብዝወረደ መጥቃዕቲ ዝተሰምዖ ዓሚቕ ሓዘን ይገልጽ. በቲ ጉድኣት ኢትዮጵያውያን ኣመንቲ እስልምና ጥራይ ዘይኮኑ፡ ናይ ምሉእ ዓለም ኣመንቲ እስልምና ልቢ ጉህዩ እዩ። ጠቕላሊ ቤት ምኽርና ነዚ ፍጹም ጽዩፍን ዘሕፍርን ገበን ብጽኑዕ ይኹንን። መንግስትን ሕብረተሰብን ብምውህሃድ መንግስቲ ነዚ ነውራም ተግባር ዝፈጸሙ ኣካላት ብቕልጡፍ ናብ ፍትሒ ክቐርቡ ክገብር ሕቶና ነቕርብ ኣለና ኢሎም።"

ኣብ መስጊድ ነጃሽ ወሪዱ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፡ ዝጸንሐ`ኳ እንተኾነ ክሳብ ሎሚ መንግስቲ ኾነ ጠቕላሊ ቤት-ምኽሪ ምስልምና ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ከይተዛረቡ`ዮም ጸኒሖም. ነዚ ብዝምልከት እቲ ቤት ምኽሪ ብምድንጓዩ ይቕረታ ከምዝሓትት ኣፍሊጡ`ሎ።

ነቲ ጉድኣት ብዝምልከት ግን፡ ካብ መንግስቲ`ውን መብርሂ ከምዘድሊ ሸኽ ቃሲም ታጁዲን መሓመድ ተዛሪቦም ኣለዉ።

"ምስ እዚ ብዝተሓሓዝ፡ ብዛዕባ'ዚ ዝወረደ ጉድኣት ትኽክለኛ መረዳእታን መብርህን ንኽህቡና፡ ንዝምልከቶም ናይ መንግስቲ ኣካላት ሕቶና እናቕረብና፡ ምላሽ ምስ ረኸብና ንህዝቢ ክነፍልጥ ኢና "ዝበሉ ሸቕ ቃሲም፡ "ከምኡ`ውን ንመጠን ጉድኣት`ቲ መስጊድ ዘጻሪ ፡ ካብ ዝምልከቶም ሰብ-ሞያ ሓለዋ ቅርስን ካብ ጠቕላሊ ቤት ምኽርን ዝተዋጽአ ጉጅለ ናብቲ ስፍራ ተጓዒዙ ኣብ ሓጺር ግዜ ሪፖርት ከቕርብ ኣብ ምስራሕ ንርከብ ኣለና" ኢሎም።

ብዛዕባ`ቲ ኣብ መስጊድ ነጃሽ ወሪዱ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፡ ትማሊ ዝተሓተተ ወሃቢ-ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ፡ መንግስቲ ንእምነታት ክብሪ ዘለዎን፡ ሓለዋ ዝገብርን ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንዝወረደ ዕንወት ድማ ንምትካእ`ውን ይስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG