ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንግጭት ዝሃብዎ ግብረመልሲ ትነቕፍ


ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንግጭት ዝሃብዎ ግብረመልሲ ትነቕፍ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:12 0:00

ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንግጭት ዝሃብዎ ግብረመልሲ ትነቕፍ

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ህይወት 67 ዘጥፈአ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ግጭት ብቐዳም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብታ ሃገር ዝያዳ ዘይምርግጋእ ክፍጠር ከምዝኽእል ብምጥንቃቕ ተሓተቲ ናብ ፍርዲ ከምዝቐርቡ ገሊጾም።

“ኢትዮጵያዊያን ሓቢርና ብሓደ ደው እንተዘይኢልና እዚ ገጢሙና ዘሎ ቀውሲ ዝያዳ ዘፍርሕን ኣጸጋሚን ክኸውን’ዩ”ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ንጽኑዕ ልዕልና ሕጊን ተሓትቲ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ከምዝሰርሑ ገሊጾም። ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ዝኾኑ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣንጻር መንግስቶም ዝተላዕለ ተቓውሞ ብቕልጡፍ መልክዑ ቐይሩ ናብ ዓሌታዊን ሃይማኖታዊን ግጭት ምዕራጉ’ውን ኣብ መግለጺኦም ሓቢሮም።

ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን መራሒ ዝኾኑ አባ ማርቆስ ገብረእግዚኣብሄር ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ “ ሰባት ይሞቱ ኣለው፡ ገለ እውን ንህላወ እቲ መንግስቲ ክጠራጠሩ ጀሚሮም ኣለው። ህዝቢ ተስፋ ይቆርጽ ኣሎ” ኢሎም።

ሓላፊ ፖሊስ ክልል ኦሮምያ ከፍያለው ተፈራ ብዓርቢ ሓሙሽተ አባላት ፖሊስ ዝርከብዎም 67 ሰባት በቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ግጭት ምሟቶም ምግላጾም ይዝከር።

ንሶም ብተወሳኺ እቲ ኩነታት ምርግግጋኡ እንተሓበሩ'ኳ ሚንስትሪ ምክልካል እታ ሃገር ግን ኣብ ሸውዓተ ግጭት ዝተላዕለሎም ዝበሎም ከባቢታት ሰራዊት ምውፋሩ ኣፍሊጡ’ሎ።

አባ ማርቆስ ወሲኾም “ ንሶም ጎዘሞ ሒዞም ክመጹ ከለው ንሕና ድማ መስቀል ሒዝና ክንጽበዮም ኢና። ሓይሊ ናይ እግዚኣብሄር እዩ ንሱ ድማ ክሕግዝነና ኢዩ። እግዚኣብሄር ምሳና እዩ” ኢሎም።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ራይኖር ብቐዳም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምምሕዳር ሃገሮም በቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ጽልኢ፡ ጎነጽን ግጭት ዘለዓዕሉ ቃላትን ምህዛኑ ገሊጹ።

“ከምቲ ኩልኹም ትነግሩና ክትርእይዎ ትደልዩ ሰላም ዝሰፈና፡ብልጽግቲን ብፖለቲካ ንኹሉ ትሓቑፍ ኢትዮጵያን ንምህናጽ ኢትዮጵያዊያን ክሓብሩን ነዚ ራእይ ክውን ንምግባር ክጸዕሩን ይግባእ” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG