ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኢትዮጵያ ኣመራርሓ ሓደጋን ስግኣትን ህወሓት መግቢ ጽዒነን ናብ ክልል ትግራይ ዝጉዓዛ መካይን መጥቓዕቲ ፈጺሙ ክብል ከሲሱ


ብወገን ዓፋር ናብ ክልል ትግራይ ናይ መግቢ ረድኤት ሒዘን ይንቀሳቐሳ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ መካይን ህወሓት ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ፈፂሙ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ስግኣት ሓደጋ ኣመራርሓ ስራሕ ከሲሱ።ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ኣርባዕተ ወረዳ ፈንቲ ረሱ ያሎ ዝጀመረ ውግእ ቀጺሉ ሓደ ሰሙን ከቑጽር ምቕራቡ ተሓቢሩ'ሎ።

ህወሓት ነቲ ረድኤት ዝፀዓና መካይን ኣጥቒዑ ንዝብል ክሲ ዝሃቦ መልሲ የለን።

ኣቶ ጌታቸው ረዳሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝዘርግሕዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ግን ሓይልታት ትግራይ ብዓወት ምግስጋሱ ቀፂሉ ኣሎ ካብ ክልላት ዝተፀውዑ ፍሉይ ሓይልታትን ናይ ኣምሓራ ገባራትን ናብ ዝመፅሉ ምምላስና ክቕፅል እዩ ኢሎም።’

ኣቶ ጌታቸው ረዳ"ኣብይን ብርሃኑ ጁላን ንሰራዊት ትግራይ ጠጠው ከምዘይብሉዎም እናፈለጡ ሓረስቶት ክሃልቁ ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይብሉን። ፅልእና ምስ ናይ ኣምሓራን ዓፋርን ውፅዓት ህዝብታት ኮነ ምስ ሚልሻ ኣይኮነን ንኣዴታትን ህፃናትን ትግራይ እንተዘይወዲኦም ድቃስ ምስ ዘይመፅኦም ኣብይን ደመቀን እዩ፤... ንህዝብና ስግኣት ኮይኖም ክሳብ ዝቐፀሉ እቲ ስጉምቲ ብረት ኣብ ዘልዕልሉ ቦታ ክቅፅል እዩ’’ ኢሎም ።

ብኻሊእ ወገን ኣማሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ኣቶ ሙስጠፌ መሓመድ ዑመር ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ መንጎ ክልተ ክልላት ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ‘'ኣሸባሪ’’ኢሎም ዝፀውዕዎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን እዩ ኢሎም ።

ኣቶ ሙስጠፌ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ናይ ፌደራል መንግስቲ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ውሳነ ኣዊጁ ህወሓት ግን ውግእ ምቕፃሉ ኣይኮነነን ክብሉ ነቒፎም ።

XS
SM
MD
LG