ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናብ ንግደት ዝውሕዙን በጻሕቲ ሃገርንን ናብ’ታ ቅድስቲ ትባሃልን ኣብ ትግራይ ትርከብን ከተማ ኣኽሱም ይኣትው ነይሮም። ሎሚ ግና መብዛሕተኦም ጎደናታታ ጽምዋ ዓቢልልዎም፣ ሹቃታ ብሰንኪ ውግእ ዝተዓጸውዋ ከተማ ኮይና ኣላ።ኣብ ገጠራት ትግራይ ዝቀጸሉ ውግኣት ኣብ ልዕሊ’ታ ከተማ ከቢድ ጽልዋ የሕድር ኣሎ ትብል ናብ ኣኽሱም ዝኣተወት ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሂዘር ሙርዶክ።
ን40 ሚእታዊት ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊያን ኢትዮጵያዊያንን ንመብዛሕተኦም ተጋሩን፣ ኣኽሱም እታ ቅድስቲ ከተማ ናይ ዓለምና እያ። ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓዘለ ጽላት ኣብ’ታ ከተማ ከምዝርከብ፣ ኣኽሱም መጀመሪ ክርስትና እዩ ኢሎም ይኣምኑ።
ንልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ድሕሪ ዝቀጸለ ውግእ ግና ብዙሓት ኣመንቲ ኣብ’ታ ከተማ ካብ ገጠር ናብ’ታ ከተማ ዝኣተው ተፈናቀልቲ እዮም። ግዳያት እቲ ውግእ ናብ ሆስፒታል ይኣትው ኣለው። ኪሮስ ገብሩ ሓደ ካብኦም እዩ "ኣብ ህንጸት ስራሕ ከለኹ ቴንዲኖ እናመላእኩ ከለኹ፣ እቲ ህንጻ ብቦምብ ምስ ተደብደበ እግረይ ተወቂዔ። እንደገና ተደጊመ።"
ኣማሓደርቲ ሆስፒታል ፣ ብዘይካ’ቶም ኣብ ዓውዲ ውግኣት ዝቆሰሉ ብተወሳኺ፣ ትካላት ጥዕና ስለዝዓነው ወይ ስለዝተሰረቁ፣ ናብ ሆስፒታል ዝወስዱ ጽርግያታት ስለዝተዓጸው፣ መጠን ሞት ንሂሩ ኣሎ ይብሉ።
ነበርቲ ኣኽሱም፣ ሓሓሊፉ ግጭት ከምዘጋጥምን ኣብያተ ንግዲ ቀስ እናበለ ይኽፈት ከምዘሎን ይዛረቡ። ኣይግዱ ዝተባሃለ ነጋዳይ’ታ ከተማ ከምዚ ይብል፣ "ድኳናትና እንተ ዘይከፊትና ብጥሜት ክንውዳእ ንኽእል ኢና። ኣብዚ ውግእ እዚ ዅነታት ተቀያያሪ ኮይኑ ኣሎ። ሰባት ካብ ከተማታት ናብ ገጠር ይሃድሙ ነይሮም። ሎሚ ግን ካብ ተመዛበልቲ ካብ ገጠር ናብ ከተማ እዮም ይመጹ ዘለዉ። ንሕና ድማ ክነዕቁቦም ኣሎና። ብህይወት መታን ክነብሩ ማዕጾና ክንከፍተሎም ይግባእ ኣለና።"
ነበርቲ ኣኽሱም ኣብ እዋን’ቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝተፈጸመን ኣማኢት ዝተቀትሉሉን ዝብልዎ ነታ ከተማ ዝወረዳ ከቢድ ግጭት፣ ብርክት ዝበሉ ትካላት ንግዲ ተሰሪቆም እዮም። ሎሚ’ውን ውግእ ምስ ቀጸለ እዩ። ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኖም ይዋግኡ ኣለው። ክልቲኦም ወገናት ሰራዊት ምልሻ’ውን ኣሰሊፎም እዮም።
ውግእ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ሰራዊት ህወሓት ነቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ መዓስከር ፌደራል ሰራዊት ድሕሪ ምጥቃዖምን ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብቲ ክልል ድሕሪ ምእታዎም እዩ ይብል እቲ ሪፖርት። ብሰንኪ’ቲ ውግእ ኣሻሓት ተቀቲሎም፣ ሚልዮናት ድማ ተፈናቂሎም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ትግራይ ኣብ ጎደና ዳግመ እግሪ ምትካል ኣላ ይብል። ብርክት ዝበሉ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ግና፣ ኩነታት ሰላምን ቁጠባን ካብ እዋን ናብ እዋን የንቆልቁል ኣሎ ባሃልቲ እዮም ትብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሂዘር ሞርዶክ ካብ ኣኽሱም።