ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ኣርበኞች ግንባር ኣቦ መንበርን 9 ኣባላት ፈፃሚ ስራሕን ብምምራፅ 25ን 26ን ጥሪ 2011 ዓ.ም ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዘካየዶ ጉባኤ ዛዚሙ።ኣብቲ ጉባኤ ኣስታት 400 ኣባላቱ ከምዝተሳተፉ እውን ተፈሊጡ’ሎ።
ሓዱሽ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዝተመርፁ ኣቶ ወርቁ በለጠ ከምዚ ኢሎም።
“ሓቀኛ ዲሞክራሲያዊ መሰሉ ንክኽበር ብፍላይ ኣብ ሕቶታት ወሰንን መንነትን ዝልዓሉ ጉዳያት ንምፍፃም ዝተፈላለዩ ሓገዛት ክንገብር ኢና።ሓርበኝነት ንህዝብን ሃገርን ምሕላው ስለዝኾነ ነዚ ንምፍፃም ምስ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ብሓባር ንምስራሕ ፃዕሪ ክንገብር ኢና” ኢሎም።
እቲ ውድብ ምስ ግንቦት 7 ዝነበሮ ጥምረት ኣብ ወርሒ መስከረም ምፍራሱ ምግላፁ ይዝከር።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኣርበኞች ግንቦት 7 ኣቶ ኤፍሬም ማዴቦ ብዛዕባ ምፍራስ እቲ ጥምረት ተሓቲቶም ኣብዝሃብዎ መልሲ ኣርበኞች ግንቦት 7 ኣይፈረሰን ኢሎም።
“ዝተነፀለ ዝብሃል ነገር የለን፤ኣርበኞች ግንቦት 7 ዝብሃል ውድብ ኣሎ፤ሕጂ ክሳብ ምስረታ ፓርቲ ክቕፅል እዩ።”
እቲ ጉባኤ 9 ኣባላት ፈፃሚት ስራሕን 49 ኣባላት ቤት ምኽሪን ምምራጹ ተገሊጹ’ሎ።