ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ንግዲ ኹናት ፕረ. ትራምፕ ምስ ቻይና ውስን ደገፍ ኮንግረስ ይረክብ


ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ቻይና ኣብ ንግዲ ንእትፍፅሞም ተግባራት ንምግጣም ይካየይድዎ ንዘለው ፃዕሪ ካብ ክልቲኦም ፓርትታት ኣባላት ኮንግረስ ደገፍ ረኪቦም ኣለው።ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ቤጂንግ ተሪር መርገፂ ክሕዙ ዝወሰዱዎ ተበግሶ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልቲኦም ፓርትታት ናእዳ እንተርከበሎም እውን ናይ ቻይና ዝርዝር ፖሊስታቶም ኣብ ካፒቶል ሂል ስኽፍታን ገለ ተቓውሞታትን ገጢሙዎ’ሎ።

ፕረዚዳንት ትራምፕ ንኮንግረስ ፈላማይ መደረ ካብ ዘስምዕሉ ግዜ ጀሚሮም ጉዳይ ቻይና የልዕሉ።ኣብ የካቲት 2017 ንኮንግረስ መደረ ኣብ ዘስምዕሉ እዋን ከምዚ ኢሎም ነይሮም።

“ቻይና ናብ ውድብ ንግዲ ዓለም ካብ እትኣትው ጀሚሩ 60,000 ፋብሪካታት ከሲርና ኢና።”

ኣብ ቀረባ ኣብ ዘስምዕዎም መደረ ድማ ብዛዕባ ቻይና ከምዚ ኢሎም።

“ኣብ ልዕሊ ቻይና ናይ ንግዲ ግብሪ ወይ ቐረፅ ንምውሳኽ ኣዊጀ ኣለኹ።ቻይና ንሰራሕተኛታትናን ምጭብርባርን ንስራሓትና ምስራቕን ደው ክሳብ እተብል ንድሕሪት ኣይንብልን።”

ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ምምሕዳራት ኣሜሪካ ቻይና እትፍፅሞ ንዝነበረት ስልታዊ ምቁፅፃር ገንዘብን ዝተሓተ ዋጋ ዘለዎ ሓፂን ናብ ዕዳጋታት ምዕልቕላቕን ሓዊሱ ኣንፃር ተግባራት ንግዲ ቻይና ተቓውሞ የስምዑ ነይሮም። ፕረ.ትራምፕ ግን ብርቱዕ ስጉምቲ ብምውሳድ ካብ ኮንግረስ ዘይሻራዊ ምጎሳ ዝረኸቡ ፈላማይ መራሒ ኣሜሪካ ኮይኖም ኣለው።ሪፓብሊካዊ ሰነቴር ጄምስ ሪሽ ከምዚ ይብሉ።

“ምህዞታትናን ቴክኖሎጂታትናን እናተሰረቑ ስቕ ኣይንብልን ኢና።ናትና ሰባት ብዘይሚዛናዊ ውድድር ስርሖም ክኸስሩ ደው ኢልና ኣይንዕዘብን።”

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ናይ ንግዲ ኹናት ፕረ. ትራምፕ ምስ ቻይና ውስን ደገፍ ኮንግረስ ይረክብ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:22 0:00

XS
SM
MD
LG