ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ነዊሕ ዓመታት መራሒ ኬንያ ነበር ዳንኤል ኣራፕ ሞይ ዓሪፎም


ንኬንያ ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሑ ዳኒኤል ኣራፕ ሞይ ኣብ መበል 95 ዓመቶም ሎሚ ሶሉስ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።

ጠንቂ ሞት ፕረዚደንት ኣራፕ ሞይ ብንጹር እንተዘይተገልጸ’ዃ ብሰንኪ ዘጋጥሞም ዝነበረ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ብተደጋጋሚ ኣብ ሕክምና ይመላለሱ ምንባሮም ግን ተሓቢሩ’ዩ።

ፕረዚደንት ሞይ መጀመርያ ኣብ 1978 ምክትል ፕረዚደንት ኮይኖም ናብ መዝነት ዝመጹ ክኾኑ ከለው ድሕሪ ሞት ፈላማይ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ጂሞ ኬንያታ ድማ መራሒ ታ ሃገር ብምዃን ክሳብ 2002 ዓ.ም ኣብ መሪሕነት ጸኒሖም።

ወዶም ንፈላማይ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ዝነበሩ ጂሞ ኬንያታ ዝኾኑ ናይ ሕጂ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ኡሁሩ ኬንያታ ድማ ኣብ 2013 ናብ መሪሕነት መጺኦም።

ፕረዚደንት ዳንኤል ኣራፕ ሞይ ንኬንያ ኣንጻር ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ርግእቲ ክትኸውን ዓብይ ተራ ምጽዋቶም ይግለጽ።

ይኹን ደአ እምበር ኣብ መሪሕነቶም ብዝነበረ ብልሽውና ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኬንያዊያን ሕጂ’ውን ኣብ ድኽነት ሸሚምዎም ይርከብ።

ብዙሓት’ውን ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ዘካይድዎ ዝነበረ ስቕያት ይኸስዎም።

ፕረዚደንት ሞይ ዋላ’ዃ ዓለምለኸ ጸቕጢ እንተነበሮም ንመሪሕነት ሓደ ፓርቲ ኣብ ሕገ መንግስቲ ኬንያ ወግዓዊ ዝገበሩ መራሒ’ውን ኔሮም።

XS
SM
MD
LG