ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ቻይና ናይ ስለያ ባሉን ኣብ ምዕራባዊ ኣመሪካ ከምዝተራእየ ይግለጽ ኣሎ


ናይ ቻይና ምዃኑ ዝጥርጠር ናይ ሰለያ ባሉን ወይ ሰብ ዝሰርሖ ዓብይ ፍሕኛ ንብዙሕ መዓልታት ኣብ ሰማያት ኣመሪካ ክንሳፈፍ ከምዝቐነየ ሰበስልጣን ኣመሪካ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጦም።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን) ብሪጌደር ጀነራል ፓትሪክ ሩደር እቲ ባሉን ይጉዓዝ ዘሎ ‘’ካብ ንግዳዊ መጎዓዝያ ኣየር ንላዕሊ ስለዝኾነ ኣብ ምድሪ ንዘለው ወታሃደራዊ ማእከላት ወይ ሰባት ስግኣት ኣየስዕብን’’ኢሉ።

ናይ ሰሜን ኣመሪካ እዚ ምክልኻል ኤሮስፔስ ብኢንግሊዝኛ ኣህፅሮተ ቃል NORAD ነቲ ባሉን ይከታተሎ ኣሎ።እቲ በራሪ ፍሕኛ ኣብዚ ሕጂ ስዓት ኣበይ ከምዘሎ ግን ኣይገለፀን።

ናይ ሰሜን ኣመሪካ እዚ ምክልኻል ኤሮስፔስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ነቲ ባሉን ‘’ብቐረባ ምክትታሉን ምቁፅፃሩን ክቕፅል እዩ’’ኢሉ።

እቲ ባሉን ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ክፍለ ግዝኣት ሞንታና እዩ ተራእዩ።ሞንታና ክፍለ ዓለማት ዝጉዓዝ ቦለስቲክ ሚሳይል ካብ ዝንቀሳቐሰሉን ዝዕቀበሉን ሰለስተ መደብራት ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ሓደ ዝርከበሉ እዩ።

ወታሃደራዊ ሰበስልጣን ነቲ ባሎን ምውዳቕ ካብቲ ስብርባር ኣብ መሬት ንሰባት ክጎድእ ስለዝኽእል ከይትኮስ ይመኽሩ።

XS
SM
MD
LG