ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡል ቻርለስ ናይ ብሪጣንያ ብኮረና ቫይረስ ተታሒዙ


መግለጺ ቤተመንግስቲ ባኪንግሃም ልዑል ቻርለስ ፍኹስ ዝበለ ምልክት ኣርእዩ`ሎ-ግን ኣብ ጽቡቕ ጥዕና`ዩ ዘሎ ይብል ።

በዓልቲ ቤቱ ካሚላ ግን ምርመራ’ቲ ቫይረስ ኣሉታዊ ውጽኢት ኣርእዩ-ማለት ቫይረስ ኮሮና ኣይተራእየን። ክልቲኦም ኣብ ናይ ስኮትላንድ ገዝኦም ተወሺቦም ኣለዉ።

ካብ ቤተመንግስቲ ባኪንግሃም ዝወጸ መግለጺ እቲ ወዲ 71 ዓመት ልዑል ብሪጣንያ ሰኑይ ተመርሚሩ ትማሊ ሰሉስ`ዩ ውጽኢቱ ተነጊሩ። ቅድሚ 12 መዓልታት ረኺብዋ ዝነበረት ጓል 93 ዓመት ኣዲኡ ንግስቲ ኤልሳቢጥ ግን ኣብ ጽቡቕ ጥዕና ኣላ ይብል ።

XS
SM
MD
LG