ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮንቴነር ተርሚናል ወደብ በርበራ ስርሑ ምጅማሩ ተገሊጹ


ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሳ ቢሂ: ላዕለዎት ልኡኻት ኢትዮጵያ ናይ ዲፒ ወርልድ ዳይሬክተር:ሱልጣን ቢን ሱለይማንን ኣብ ዝተረኸብሉ ናይ በርበራ ወደብ ናይ መጀመሪያ ዙር ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ተመሪቑ ብዕሊ ስርሑ ምጅማሩ ፀብፃብ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ(ኢዜኣ) ፀብፂቡ።

ብዲፒ ወርልድ 51 ሚእታዊት፣ 30 ሚእታዊት ብሶማሊላንድ : 19 ሚእታዊት ድማ ብኢትዮጵያ ዝተታሓዘ እቲ ተርሚናል ናይ መጀመርያ ዙር መስፋሕፍሒ ፕሮጀክት 500 ሽሕ ኮንተይነራት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ጉጅለ ልኡኻት ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስትር መጎዓዚያ ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፣ ሚኒስተርገንዘብ ኣቶ ኣሕመድን ካልኦትን ይርከቡዎም።

XS
SM
MD
LG