ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"መጠን ሞት ህጻናት ክልል ትግራይ ብ4 ዕጽፊ ወሲኹ" መጽናዕቲ


ፋይል
ፋይል

ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ካብ ኩሎም ሕክምናዊ ክንክናትን ቀረባትን ድሕሪ ምቁራጹ ምስ ዝነበረ ኩነተ ጥዕና ብምንጽጻር ‘ሎሚ ዝውለዱ ህጻናት፣ ሓደ ወርሒ ከይመልኦም ናይ ሙሟት ዕድሎም ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

ሕ/ሃ ዝምውሎ መርማሪ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝገለጾ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጥምየት ሰላማዊያን ሰባት፣ ከም መሳርሕ ኲናት ይጥቀመሉ ኣሎ" ኢሉ ምድምዳሙ ዝዝከር እዩ። ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ሪፖርት ግብረ መልሲ ተሓቲተን መልሲ ከምዘይሃባ’ውን ኣሶሴትድ ፕረስ ይሕብር።

ብመሰረት'ቲ ገና ዘይተሓትመ ግን ጸሓፍቱ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ዘርኣይዎ መጽናዕቲ "ህጻናት እታ ኣብ ውግእ ዘላ ክልል ትግራይ፣ ውልድ ምስ በሉ ኣብ ዘሎ ሓደ ወርሒ ናይ ሙሟት ዕድሎም፣ ቅድሚ እቲ ክልል ካብ ኩሉ ዓይነት ሕክምናዊ ክንክን ምቁራጹ ምስ ዝነበረ ጊዜ ክነጻጸር ከሎ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ" ይብል።

ኣሶሴትድ ፕረስ "ነብሰ ጾራት ደቂ ኣንስትዮ ክትከላኸሎ ብዝካኣል ፎከስቲ ጸገማት ይሞታ ወይካኣ 42 መዓልታት ድሕሪ ምሕራሰን ናይ ሙሟት ዕድለን፣ ቅድሚ’ቲ ውግእ ካብ ዝነበረሉ ኩነታት ክነጻጸር ከሎ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ" ይብል።

ክልተ ዓመት ድሕር ምውላዕ ኲናት ከም ኤለክትሪክ፣ ስልኪ፣ ኢንተርኔትን ባንኪን ዝኣምሰሉ ኣገልግሎታት ሕጂ'ውን ተቋሪጾም ይርከቡ።

ሕቡራት ሃገራት ዝምውሎ መርማሪ ኮምሽን ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ንሓይልታት ትግራይ ሓዊሱ ኩሎም ወገናት ግፍዒ ፈጺሞም እዮም ክብል ከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥምየት ሰላማዊያን ሰባት ከም መሳርሒ ኩናት ይጥቀመሉ’ሎ’ውን ምባሉ ይዝከር።

፭፭፭፭፭፭

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት፣ ናብ’ቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘዳለዎ መስርሕ ልዝብ ሰላም ንክሳተፉ ዓዲሙዎም ኣሎ።

፮፮፮፮፮፮

ሎም ዘበን ተተግቢሩ ዝነበረ ጊዚያዊ ምቁራጽ ተጻብኦ፣ ኣሻሓት ሰብኣዊ ረድኤት ዝጻዓና ናይ ዓበይቲ ማካይን ናብ ትግራይ ንክኣትዋ ሓጊዙ እዩ። ነሓሰ ዝተወለዐ ድሕረዋይ ውግእ ግና እንደገና ነቲ ቀረብ ረድኤት ኣተኣጋጉሉዎ ኣሎ። ብዘይካዚ፣ ንህጻናት ዝኾን መድሓኒትን ኢንሱሉንን’ውን ንክቃረጽ ጠንቂ ኮይኑ እዩ። ሕ፨ሃ ዝመወሎ ዳህሳስ ‘ኣብ ትግራይ ከቢድ ሕጽረት መድሓኒትን ሕክምናዊ ኣቑሑን ከምዘሎ’ ኣረጋጊጹ እዩ።

፯፯፯፯፯፯፯

ነብሰ ጾር ደቂ ኣንስትዮን ናእሽቲ ቆልዑን ብሓደ ወገን፣ ኣብ ምውላዕ እቲ ኹናት ዋላ ሓደ ብጽሒት ክኾኑ ከለው፣ በቲ ካልእ ወገን ግና እቶም ምሒር ንሓደጋ ዝተቃልዑ ኮይኖም ንረኽቦም። እቲ ሓድሽ ዳህሳስ፣ ካብ ግንቦት ክሳብ ሰነ ብሓለፍቲ ጥዕናን ገንዘባዊ ደገፍ ሕ፨ሃን፣ ኣብ ልዕሊ ፩፰፱ ሽሕ ርእሲ ስድራ ቤታት፣ ካብ ሸውዓተ ዞባታት፣ ኣብ’ተን ሽዱሽተ ዞባታት እዩ ተካይዱ። ሕጽረት ነዳዲ ስለዝነበረ፣ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት፣ ገለ እዋን ብእግሮም ከምዝተጉዓዙ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

፰፰፰፰፰፰፰፰

ሞት ኣደታት ካብ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ሓራሳት (ሞርታልቲይ ሬት) ፰፵ እዩ። እዚ መጠን’ዚ ቅድሚ ውግእ ካብ ሚእቲ ሽሕ ሓራሳት በዝሒ ይሞታ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ፩፰፮ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ሞት ብሰንኪ ኣብ እዋን ሕርሲ ዝፈሽ ደም ልዑል ጸቅጢ ደምን እዩ የጋጥም ነይሩ። ኣባላት’ቲ መጽናዕቲ ‘እዚ መጠን ሞት ኣደታት ፈጺሙ ተቀባልነት ዘይብሉን ቅድሚ ፪፪ ዓመታት የጋጥም ዝነበረን ሞት ሞት እዩ’ ክብሉ ይገልጽዎ።

፱፱፱፱፱፱፱፱

ሰማንያ ሚእታዊ ካብ’ተን ግዳያት ካብ ማእከላት ሕክምና ወጻኢ እናሃለዋ ከምዝሞታ ብምጥቃስ ካልእ መኣዝን እቲ ጸገም ይሕብር እቲ መጽናዕቲ። ኣብ ትግራይ፣ ቅድሚ’ቲ ውግእ ምውልዑ፣ ቴስዓ ሚእታዊ ነብሰ ጾር ደቂ ኣንስትዮ፣ ቅድመ ወሊድ መርመራ ይረኽባ ከምዝነበራ፣ ፸ ሚእታዊ ነብሰ ጾራት ድማ ብኪኢላታት ናይ ምሕራስ ድጋፍ ይረኽባ ከምዝነበራ፣ እቲ ብዓለም ለኸ መጽሔት ጥዕና ወግዓዊ ዝኾነ ሪፖርት ይሕብር።

፲፲፲

ፈንድ ህዝቢ ሕ፨ሃ ብወገኑ ‘ኣብ ትግራይ ወሪዱ ዘሎ መጠን ሞት ኣደታት ኣብ እዋን ሕርሲ ኣዝዩ መሰምበዲ’ዩ’ ክብል ይገልጾ።

፩፩፩፩፩፩፩

ድሕረ ወሊድ ክሳብ ቀዳሞት ፪፰ መዓልታት መጥን ዝሞቱ ህጻናት ኣብ ትግራይ ካብ ፲፻ ዝውለዱ ቆልዑ ፫፮ ከምዝኾነ እቲ ዳህሳስ ኣመላኺቱ ኣሎ። ምስ’ቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበረ መጠን ክነጻጻር ከሎ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ንሂሩ ይርከብ። እዚ ምስ’ተን ናይ ኣዋለድቲ ሓገዝ ከይረኸባ ኣብ ቤተን ክገላገላ ምስፈተና ዝሞታ ክነጻጸር ከሎ ድማ ብፍቂ ዝነከየ እዩ። ቀንዲ ጠንቂ ሞት ህጻናት፣ ኣብ ዘይመዓልቶም ምውላዶም፣ ረኽሲን ኣብ እዋን ሕርሲ ዘጋጥም ምሕንካኽን እዮም። ህጻናት ምስ ተወልዱ ብቅጽበት ምስትንፋስ ዘይምኻኣሎም ማለት እዩ።

፩፪፩፪፩፪

ቅድሚ ውግእ ምጅማሩ ዝነበረ ሞት ትሕቲ ፭ ዓመት ዝዕድሚኦም ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። ቀንዲ ጠንቂ ሞት’ዞም ቆልዑ ኮይኖም ዘለው ብቀሊሉ ክሕከሙ ይኽእሉ ዝነበሩ ከምውጽኣት፣ ሕማም ሳንባ (ሳንቡእ)ን ሕማም ረስኒን ዝኣምሰሉ ሕማማት እዮም ይብል እቲ መጽናዕቲ።

፩፫፩፫፩፫

ካብ መለለዪ ትግራይ ዝኾነ ሆስፒታል መቐለ ዝወጹ ኣሳእል ከምዝሕብርዎ ‘ሓንቲ ሓኪም፣ ንከብዲ ሓንቲ ዝማሰነትን ክልተ ዓመት ዝዕድሚዓን ሰላም ሙሉ እናመጠጠትን ከላ የርኢ’። እታ ሓኪም ኢዳ ካብ’ቲ ከብዲ ሰላም ድሕሪ ምልዓሉ’ውን እንተኾነ፣ እቲ ድርቀትን ጥምየትን ዘጥቀዖ ቆርበት’ታ ቆልዓ ናብ ስፍርኡ ከይተመለሰ ንቁሩብ ሰኮንዳት ጸኒሑ እዩ።

፩፬፩፬፩፬፩፬

እቲ መጽናዕቲ ‘ቃንዛ ዝቅንሱ መድሓኒታት፣ ኣፋውስ ጸረ ነፍሳት፣ ጸረ ምንቅጥቃጥ መድሓኒታት፣ ክታበታትን፣ ኣይቪን ክኒናትን ብዝኣክል ናብ ትግራይ ንክኣትው ጸዊዑ ኣሎ።

፩፭፩፭፩፭፩፭

“ኣብ’ዚ ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዳርጋ ጥፍኣት እዩ’ ይብል ኣብ መቐለ ዝነብርን ኣባል’ቲ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ዝኾነ ሓደ መንነቱ ክዕቀበሉ ዝመረጸ ሓኪም ህጻናት ይብል ኣሶሴትድ ፕረስ።

፩፮፩፮፩፮፩፮

“ነብሰ ጾር ይኾና’ሞ ግን ዝሕከማሉ ዕድል የለን” ይብል እቲ ሓኪም ህጻናት። ንሱ ወሲኹ ‘ብዛዕባ ኣብ ገጸር ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ’የ ይዛረብ ዘለኹ’ ይብል። ‘ኣብ ሕርሲ እንተበጺሓን፣ ከምመብዛሕተአን ነብሰጾር ደቂ ኣንስትዮ ማለት እዩ፣ ኣብ ገጸር ትነብር እንተኾይናን፣ ናብ ዝገላገላሉ ስፍራ ክኸዳ ኣይኽእላን። ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ክረኽባ ኣይኽእላን። ንናይ ውልቀ መኪና ንክኮናተራ ዘኽእለን ገንዘብ የብለንን። ናብ ትካላት ሕክምና ዋላ’ውን እንተመጻ፣ ንገብረለን ነገር የለን’ ይብል እቲ ሓኪም።

፩፯፩፯፩፯፩፯

ቅድሚ ኹናት ምውልዑ፣ ጊዜ ነብሰጾርነት፣ ጊዜ ፍስሃ እዩ ነይሩ ይብል እቲ ሓኪም ህጻናት። ሎሚ ግን በለ ንሱ ‘ዘይምረጽ ኩነታት ኮይኑ እዩ ዝራኣይ’። ሰባት ነታ ነብሰጾር ዝሓዝኑላ ጊዜ ኢና በጺሕና’ውን በለ።

፩፰፩፰፩፰፩፰

‘ኣብ ዝኾነ ካልእ ሃገር ከምዚ ዝበለ ነገር ሰሚዔ ኣይፈልጥን’ውን ይብል።

ዓሚቕ ሕጽረት ስለዘሎ ብሰንኪ ኩናት በዝሒ ዝሞቱ ሰባት ንምንጻር ዝካኣል ኣይኮነን ዝብል እቲ ሓኪም ህጻናት፣ ኣሻሓት ሰባት ሞይቶም እዮም፣ ናጻ ጋዜጠኛታት ድማ ናብ’ቲ ክልል ንከይኣትው ተኸልኪሎም ኣለው ይብል እቲ ሪፖርት።

፩፱፩፱፩፱፩፱

ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ኪኢላታት፣ ንውጽኢት ዳህሳሶም ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ሚኒስትር ጥዕናን፣ ንባዕለን’ውን ሓኪም ቆልዑ ዝኾናን፣ ዶ፨ር ልያ ታደሰን ክገልጹ መደብ ኣለዎም። ብዛዕባ’ቲ ሪፖርት ሪኢቶ ዝቀረበለንን ግብረ መልሲ ንክህባሉን ብኣሶሴትድ ፕረስ ዝተሓተታ ዶ፨ር ልያ ታደሰ፣ ሪኢቶ ካብ ምሃብ ተቆጢበን ይብል እቲ ትካል ዜና።

፳፳፳፳

ኣብ መቐለ ዝነብር ሓኪም ህጻናት ግና ‘ኹናት፣ ነቲ ጽቡቕ መሰረት ሒዙ ዝነበረ መሓውር ዘፈር ጥዕና ኣዕኒይዎ እዩ’ ይብል። ንሱ ወሲኹ ‘ሰባት ‘ክትሕግዙና ዲኹም፧ ድሕሪ እዚ ዳህሳስ እንታይ ኢኹም ክትገብሩልና፧ ንጸገምና ክትፈትሕዎ ዲኹም፧ እናበሉ ይሓቱና። ዕረፍቲ ዝኸልእ ነገር እዩ ኣጋጢሙና ዘሎ’ ከምዝበለ ኣሶሴትድ ፕረስ ዘዳለዎ ሪፖርት ጠቂሱ።

XS
SM
MD
LG