ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ መወዳእታ ቀጥታዊ ክትዕ ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ 2020 ተኻይዱ


ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ፥ ሕጹይ ሪፓብሊካን ፕረዚደንት ትራምፕን፡ ሕጹይ ደሞክራት ምኽትል ፕረዚደንት ዝነበረ ጆ ባይደንን፥ ቅድሚ`ቲ ድሕሪ 10 መዓልታት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ትማሊ ናይ መጨረሻ ግዝኦም ተኻቲዖም።

ፕረ.ትራምፕ ኣብ ክትዑ፥ ቅድሚ ኮሮና ቫይረስ ምምጽኡ ዝበለጸ ኤኮኖሚ ኔሩና`ዩ ሕጂ ንዕኡ ናብ ንቡር ክመልሶ ካልኣይ ናይ ስልጣን ዘመን ይግብኣኒ`ዩ - ባይደን እንተ ስዒሩ ግን ፥ እዛ ሃገር ርእያቶ ናብ ዘይትፈልጥ ዓዘቕቲ ኤኮኖሚ ክትጥሕል`ያ ኢሉ።

ባይደን ወገኑ፥ እዚ ምርጫ ብዛዕባ፡ ክብሪ፡ ርዝነት፥ ንሰባት ብክብሪ ምጥማት ዘጠቓለለ`ዩ ብምባል፡ እንተ ስዒረ-ልበ-ወለድ ዘይኮነስ ሳይንስ፡ ፍርሒ ዘይኮነስ ተስፋ ክህልወና`ዩ ኢሉ።

ተዓዘብቲ ክልቲኦም ተኻታዕቲ፡ ነጥብታት ኣመዝጊቦም ግን ሓደ ኣብ ልዕሊ`ቲ ሓደ ላዕላዋይነት ዘርኣየሉ ኣይነበረን- ንኣድመጽቲ ብኡ ንብእኡ ውሳነኦም ዘቐየረ`ውን ኣይመስልን ይብሉ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG