ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኢጣልያ ኣብ ወደብ ካታንያ ንዘለው 177 ስደተኛታት ክትቕበል ጸዊዑ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኢጣልያ ነቶም ኣብ ወደብ ካታንያ ኣብ መርከብ ዘለው 177 ስደተኛታት ክትቕበል ጻውዒት ዘቕረበ ክኸውን ኸሎ ሎሚ ረቡዕ ሰብኣዊን ሕክምናዊን ሓገዝ ንዘድልዎም 29 ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ካብታ መርከብ ክወርዱ ከምዘፍቐደት ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

እታ ‘ዲኮቲ’ ዝተባህለት 177 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ወደብ ካታንያ ካብ ትኣትው ሽዱሽተ መዓልታት ዘቑጸረት እንተኾነት ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ነቶም ስደተኛታት ከምዝቕበሉ ከየረጋገጹ ነቶም ስደተኛታት ክራገፉ ብዘይምፍቓዱ ክሳብ ሎሚ ኣብታ መርከብ ምህላዎም ተፈሊጡ’ሎ።

ከም ‘ሴቭ ዘ ችልድረን’ን ‘ሓካይም ብዘይዶብ’ ዝኣመሰላ ዘይመንግስታዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ነቲ መግለጺ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ደገፎም ገሊጾም ኣለው።

ሚንስተር ንሓለዋ ባሕሪ’ታ ሃገር ዝቆጻጸር ሚንስትሪ መጉዓዝያ ዳኒሎ ቶኒሊ እቲ ኩነታት ብቅልጡፍ ክፍታሕ ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ገሊጾም ኣለው።

ንሶም ሶሉስ ምሸት ምስ ዩሮኒውስ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ኣቐዲሙ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ናብ ኢጣልያ ዝኣተው ስደተኛታት ንምቕባል ዝኣተውዎ ቃል ከምዘይፈጸሙን ሕጂ ድማ ሃገሮም ከም ፕረዚደንት ፈረንሳን ኢማኑኤል ማርኮን ቻንስለር ጀርመን ኣርገላ መርከንን ዝኣመሰሉ መራሕቲ ሃገራት ነቶም ስደተኛታት ከምዝቕብሉ ከረጋግጹ ከምዝደልዩ ሓቢሮም ኣለው።።

XS
SM
MD
LG