ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ምስ መንግስቲ ንክላዘብ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ


ናይ ልዝብ ጉጅለ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ኣብ ኢትዮጵያ ኾይኑ ንምስራሕ ብዛዕባ ዝኽእለሉ ኩነታት ንምዝርራብ ሎሚ ንግሆ አዲስ አበባ ኣትዩ’ሎ።

ነቲ ናይ ልዝብ ጉጅለ ዝመርሑ አቶ ሊንጮ ለታ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝaተውሉ እዋን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ናብ ሃገሮም ክመጹ ከምዘተባብዖም ተዛሪቦም ኣለው።

ናይ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ጉዳያት ደሕንነት አማኻሪ አቶ አባዱላ ገመዳ ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ድማ ኣብ ከምዝተቀበልዎም ተፈሊጡ’ሎ።

መራሒ’ቲ ናይ ልዝብ ጉጅለ አቶ ሌንጮ ለታ ጉጅለኦም ፖለቲካዊ ምንቅስቃሱ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኮይኑ ንምክያድ ስራሕ ዝጀመረ ቅድዲ ሽዱሽተ ዓመታት ምንባሩ ተዛሪቦም ሕጂ ግን ሓድሽ ኩነትን ዕድልን ስለዝተኸፈተ ናብ ሃገር ክንምለስ ተወሲኑ ኣሎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ናይ ልዝብ ጉጅለ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ኢትዮጵያ ኣትዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:33 0:00

XS
SM
MD
LG