ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይጀርያ ብቻይና ዝተሃነጸ ዓብይ ወደብ ኸፊታ


ናይጀርያ ኣብ ከተማ ሌጎስ ብቻይና ዝተሃንጸ ሓድሽ ወደብ ትማሊ ሰኑይ 23 ጥሪ 2023 ኸፊታ።

እዚ ሓድሽ ወደብ ነቲ ዝተጻበበ ወደባት እታ ሃገር ኣብ ምቅላልን ከምኡ እዉን እታ ሃገር ናብ ካልኦት ሃገራት ጽዕነት ኣብ ምስግጋርን ሕምብርቲ ንኽትኸውን ዓብይ ሓገዝ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

ፕረዚደንት ማሕሙዱ ባሃሪ ናይ ቁጠባ ፖሊሲኦም ቀንዲ ዓንዲ ህንጸት ትሕተ ቅርጺ'ዩ። እዚ እውን ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሰልፎም ክዕወት ተስፋ ገይሮም'ለዉ።

እዚ ሓድሽ ወደብ ናይጀርያ 75% ብኩባንያ ምህንድስና ወደባት ቻይናን ጉጅለ ቶሎረምን እዩ ዝውንን: እቲ ዝተረፈ ኽኣ ብኽፍለ ግዝኣት ሌጎስን በዓል ስልጣን ወደባት ናይጀርያን ይውነን።

እዚ ብሓደ ቢልዮን ዶላር ዝተሃንጸ ሓድሽ ወደብ ለውጢ ዘምጽእ ፕሮጀክት እዩ። ብዉሑዱ ኸኣ 200-ሽሕ ዕድል ስራሕ ክኸፍት እዩ ክብሉ ኣብ ናይጀርያ ናይ ቻይና ኣምባሳደር ምዝራቦም ሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG