ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይጀርያ፤ ብሕጽረት ገንዘብ ዝተሸገሩ ዜጋታት ባንክታት የጥቅዑ


ፋይል
ፋይል

25 ለካቲት 2023 ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ትዳሎ ዘላ ናይጀሪያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ለውጢ ባጤራ ብምግባራ ሕጽረት ገንዘብ ኣስዒቡ ኣሎ። ነዚ ዝተራእየ ጸገም፡ ህዝቢ ባንክታትን መውጽኢ ገንዘብ ማሺናትን ብምጥቃዕ ቍጠዐኦም የርእዩ ኣለዉ።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ናይጀሪያ ብዝተኣታተወቶ ናይ ባጤራ ለውጢ፡ ሕጽረት ገንዘብ ኣጋጢሙ ኣሎ። ባንክታትን መኽዘን ገንዘብ ማሺናት (ATM) ዝተወሰነ መጠን ስለ ዘለወን፡ ዓማዊል ክንዲ ድላዮም ገንዘብ ክረኽቡ ይጽገሙ ኣለዉ። እዚ ነዊሕ መስርዕ፡ ቍጥዐን ምትእጕጓል ስራሕን ስለ ዘኸተለ፡ በዚ ዝሓረቑ ዓማዊል፡ ብረቡዕ ባንክታትን ማሺናትን ገንዘብን ክሰብሩ ተራእዮም።

ኣብ ሰለስተ ከተማታት ክፍለ-ሃገር ደልታ፡ ዓማዊል ባንክ ከንድዱ ብምፍታኖም፡ ፖሊስ ንገለ መንእሰያት ኣሲሩ። እቲ ተግባራት፡ ኲንዮ’ቲ ዘሎ ናይ ሕጽረት ገንዘብን ነድሪ፡ ብፖለቲካውያን ውድባት ዝተሳወረ ምዃኑ ፖሊስ ይኸስስ። ኣብቲ ምርጫ ዝሳተፉ ዘለዉ ክልተ ዓበይቲ ፖለቲካውያን ውድባት ጠንቂ እቲ ዝተፈጥረ ዕግርግርን መጥቃዕታት ምዃኑ ፖሊስ ይጠቅስ። እቶም ዝተወንጀሉ ሰልፍታት ግብረ-መልሲ ኣይሃቡን።

ገለ ትካላት ንግዲ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዝጸንሐ’ሞ ገና ኣገልግሎቱ ዘይወድአ ባጤራ ናይራ ምቕባል ስለ ዝኣበዩ’ውን ነቲ ዘሎ ነድሪ መሊሱ ኣጕሂሩዎ’ዩ። ገለ ኣመሓደርቲ ክፍለ-ሃገራት ናይጀሪያ፡ እኹል መጠን ገንዘብ ክሳብ ዝረኽቡ፡ ባንክ በቲ ሓድሽን ዝጸንሐን ባጤራታት ናይራ ክጥቀም ተማሕጺኖምን ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ የሕሊፎምን። ዝመጽአ ለውጢ ግን ኣይነበረን።

ማእከላይ ባንክ ናይጀሪያ፡ ናይ ባጤራ ለውጢ ከተኣታቱን እቶም ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ድማ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ክቕየርን መምርሒ ድሕሪ ምውጻኡ፡ ሰፋሕቲ ምዕዝምዛማት ኣስዒቡ። ሓያሎ ኣብ ንኣሽቱ ንግዲ ተዋፊሮም ዝሰርሑ ዜጋታት ባንክ ብዙሕ ስለ ዘይጥቀሙ ካብቶም ቀንዲ ዝተሃስዩ ጽላታት’ዮም።

ባንክ ናይጀሪያ ነቲ ስጕምቲ ክወስድ ዝደረኾ ምኽንያት ስኑዕ ባጤራታት ንምጉዳል’ዩ። ኣብ ዝተናውሐ ድማ ናይ ገንዘብ ባጤራ ንምጥፋእ መደብ ኣለዎ።

XS
SM
MD
LG