ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይጀርያዊያን ትካላት ዝርግሓ ኮሮና ቫይረስ ንምክልካል ዝሕግዝ ስጉምቲታት ይወስዱ


ናይጀሪያ ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት`ያ ኣረጋጊጻ ዘላ። ነበርቲን ዜጋታት’ውን ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ባህርያቶም ከመዓራር’ዩ ስለዝተነግሮም፥ ከም ኣብያተክርስትያን ባንክታትን ካልኦት ትካላትን ስጉምታት ይወስዳ ኣለዋ።

ኣብ ከተማ ኣቡጃ ኣብ ዝርከባ ኣብያተክርስትያናት ምእመናን ክኣትዉ ከለዉ ጓንቲ ጸረ-ቫይረስ መወልወሊ ከምኡ`ውን መሸፈኒ ገጽ ይውሃቦም። ሓለፍቲ ቤተክርስትያናት ድሕሪ`ቲ ኣብ ለካቲት 28 ፈላማይ ሕሙም ኮሮናቫይረስ ምርካቡ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ግድን`ዩ ይብሉ ።

ጂደ ኦጉንሳኪን ዋና ፓስተር ቤተክርስትያን ሓዲሽ ንግስነት`ዩ። ንሱ" ዕላማ`ዚ ቤተክርስትያን ንምእመናን ተስፋ ንምሃብ ኣብ ዕላምኦም ንክበጽሑ ምሕጋዝ ከምኡ`ውን ንተላገብቲ ሕማማት ከይቃልዑ ምሕጋዝ`ዩ። ነዚ`ውን`ዩ ኣብያተክርስትያናት ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ንምእመናአን ከስተምህራ ኣገዳሲ`ዝኸውን” ይብል።

ነቲ ጰንጠቆስጣል ቤተክርስትያን ዝመስረተ ፓስተር ጂደ፥ ከም መስተዪ ወይኒ ቁርባን ከምኡ`ውን ናይ ኢድ ሰላምታ ዝበሉ ነገራት የወግዱ ከምዘለዉ ይገልጽ።

ኣብ ናይጀርያ ከም ኣብ ባንክታትን ኣብያተ ትምህርትን ዝበሉ ትካላት`ውን ተመሳሳሊ ስጉምትታት ክትግበር ይግበር ኣሎ ።

ናብ ባንክታት ዝመጹ ሰባ ክኣትዉ ከለዉ መጠን ሙቐጥ ነብሲ ይዕቀን ሳኒታይዘር ይውሃቦም ይብል ሓላፊ ሓደ ባኪ ፎሌክ ጆሰፍ፥ወሲኹ’ውን ፓስተር ጆሰፍ " ቅድሚ ኣብ ናይጀርያ ሕሙም ምርካቡ`ውን ነዚ ቅድመ ምድላዋት ንገብር ኔርና። ምኽንያቱ ናብ ባንክታትና ዝመጽእ ኩሉ ዓይነት ህዝቢ ስለዝኾነ፥ ኣቐዲሙ`ውን ዝተፈላለየ መጠንቀቕታታት ይመጻና ኔሩ`ዩ” ይብል ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ትሑት`ዩ ዘሎ ሽሕ`ኳ ብውሕዱ ኣብ 30 ሃገራት ተራእዩ እንተሃለወ: ዛጊት ኣብ ናይጀርያ በቲ ቫይረስ ዝሞተ ሰብ የለን። ሰበ-ስልጣን ተስፋ ዝገብርዎ፥ ናይጀርያውያን በቲ ሒዞሞ ዘለዉ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ እንተቐጺሎም፥ ብኸምኡ ንክቕጽል`ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG