ከም 'ሲሪን አሌክሳን' ዝኣምሰሉ ብድምፂ ምላሽ ናይ ምሃብ ኣገልግሎት ዝህቡ ሓገዝቲ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ኣብ ዓለም ካብ እዋን ናብ እዋን ልሙዳት ኮይኖም ኣለው። ይኹን ድኣምበር ከም ኣብ ኣፍሪቃ ዝበለት አዝዮም ብዙሓት ቋንቋታት ዝወነነት ኣህጉር ግን መብዛሕትኡ ሰብ ተቋዳሳይ ምዕባለታት ቴክኖሎጂ ኣይኮነን ። ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ሓደሓደ ተመራመርቲ ኣፍሪቃውያን ከም ዮሩባ ዝበሉ ሃገራዊ ቋንቋታት ፈልዩ ዝፈልጥን ዝትርጉምን መሳርሒ ይሰርሑ ኣለዉ።
መምህር ቋንቋ ዮሩባ ዝኾነ ኦሉዋፌሚ ኣዎሳና ትምህርቲ (ሞጁል) ብኢንተርኔት ኣቢሉ ናብ ናይ ተምሃሮኡ መርበብ ንምዝርጋሕ ከምዝፅገም ይገልፅ ። ኣዎሳና ከምዝበሎ ፅሑፋቱ ቅድሚ ናብ ገፅት መርበብ ምዝርግሑ ብኢዱ ከስተኻኽሎምን ክእርሞምን ብዙሕ ሰዓታት ከምዝወስድሉ እዩ ዝዛረብ ምኽንያቱ ንቋንቋ ዮሩባ ዘለሊ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ብዘይምህላዉ እዩ ይብል ።
“ቋንቋ ዮሩባ ክፀሓፍ ከሎ ኣብ ላዕሊ ዝቅ፟መጡ ምልክትታት ዘለዉዎ እዩ ።ብምዃኑ እዚኦም ንምምላእ ተወሳኺ ፃዕሪ ክገብር ግድን እዩ ። ቅድሚ ናብ ገፃት መርበብ ኢንተርነት ምዝርገሐይ ኣብ ማይክሮሶፍት ዎርድ ይፅሕፎ ከምኡ ኮይኑ'ውን ግን ማይክሮሶፍት ብፅቡቅ፟ ሕብሪ ኣስሚሩ እዞም ቃላት ትኽክል ኣይኮኑ ዝዓይነቱ መዘከርታ የንብረለይ።”
መምህር ኣውሳና ንዓሰርተ ዓመታት ቋንቋ ዝመሃረ ኮይኑ ከም ምዕባለ ስዳሮ ቴክኖሎጂ ንከም ዮሩባ ዝበሎ ሃገራዊ ቋንቋታት ኣፍሪቃ ግን ቆላሕታ ከይተገብረሎም ፀኒሖም እዮም ይብል ።
“ ዕሙቀት ፍልጠት ዝውስን እዩ ። ብዙሓት ነገራት ኣለዉ ንተምሃሮኻ ክትምህሮምን፣ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ከተርእዮምን እትደልዮም ይኹን እምበር እኹል ተወሰኽቲ ሓገዛት ብዘይምርካብ ትድረት ።”
ኣብ ኣፍሪካ ልዕሊ 2,000 ዝኾኑ ቋንቋታት ይዝረቡ ። ከም ሓበሬታ ተመራመርቲ ክልተ ሲሶ እቶም ቋንቋታት ምስ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ዝተፀምበሩ ብዘይምዃኖም ንተዛረብቲ እቶም ቋንቋታት ብሃገራዊ ቋንቋታቶም ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ የፀግሞም ። እቶም ተመራመርቲእዚ ድማ ቴክኖሎጂካላዊ መፃኢ ኣፍሪቃ ኣብ ስግኣት ዘእቱ እዩ ይብሉ።
ናይጄሪያዊ ፀሓፍን ተሓላቃይ ቋንቋን ኮላ ቱቦሱን ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዲክሽነሪ ቋንቋ ዮሩባን ከምኡ'ውን ፅሑፍ ቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ማሽን ናብ ዘረባ ዮሩባ ዝቅ፟ይር ውፅኢት ቴክኖሎጂ ፈጢሉ እዩ ።
“እቲ ቋንቋ ኣብ ማህደር ቴክኖሎጂ ክርከብ እንተዘይኪኢሉ ዳርጋ ከምዘይነበረ እዩ። ኣብዚ እዋን ዓለም ብኸምዚ ዓይነት መገዲ እያ ተቀ፟ሪፃ ትርከብ ። ብምዃኑ ሙሉእ መዓልቲ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ክንውዕል ከለና እንረኽቦም ቋንቋታት እንግሊዝ፣ ስፓኒሽ ፣ ማንደሪያን ወይውን ካልኦት እዮም ። እዚ ድማ ምስ ዓለም እትገብሮ ርክብ ይውስኖ ። ኣብ ቀፃሊ ወይ ንቋንቋኻ ዘሎካ ተገደስነትን ድልየትን ውይ'ውን ዓቅ፟ሚ ምስኣን ይስዕብ ።”
ቋንቋታት ኣፍሪቃ ኣብ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ክፅምበሩ ዝጉስጉስ ቱቦሳን ከምዝብሎ ዓበይቲ ሰብሞያ ቴክኖሎጂ ነዚ ጠመተ ክገብርሉ ይጅምሩ እኳ እንተለዉ እቲ ኣፈላላይ ግን ርሑቅ፟ ምጉዓዙ ይኣምን ።
“ብዙሓት ማሕለኻታት እዮም ዘለዉ ። ገሊኦም ቋንቋታት ፈፂሞም ዘይፀሓፉ እዮም ገሊኦም ፅሑፍ የብሎምን፣ ገሊኦም ድማ ፅሑፍ ኣለዎም ብዙሕ ተዛራባይ ወይውን አብ ትምህርቲ ኮነ ኣብ መዓልታዊ ዘተታቶም ዝጥቀመሎም የለን ።”
ተመራመርቲ ቋንቋ ከምዝብልዎ ቋንቋታት ኣፍሪቃ ብድምፂ ተሓጊዞም እታወታት ኮይኖም ናብ ቴክኖሎጂ ስጋብ ዝፅምበሩ ግዜ ክወስድ እዩ ይብሉ ።ከም ቱቦሳንን ኣዎሳንያን ዝበሉ ተመራመርቲ ድማ ቋንቋ ዮሩባ ንተጠቀምቲ ቴክኖሎጂ ብዝጥዕም መልክዑ ንምቅ፟ራብ ይሰርሑ ኣለዉ ።