ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይጀሪያ፤ ዕጡቓት ካብ መስጊድ ኣስታት 40 ኣመንቲ ጨውዮም


ሎሚ ሰኑይ ዳግም ዝተኸፍተ መስመር ባቡር ኣቡጃ-ካንዱዋ
ሎሚ ሰኑይ ዳግም ዝተኸፍተ መስመር ባቡር ኣቡጃ-ካንዱዋ

ካትሲና ኣብ ዝተባህለ ክፍለ-ሃገር ናይጀሪያ፡ ብቐዳም፡ ዕጡቓት ኣብ ሓደ መስጊድ ብዝፈነዉዎ መጥቃዕቲ ንኣመንቲ ቀቲሎምን ካልኦት ጨውዮምን። ፖሊስ እቲ ክፍለ-ሃገር ን13 ዝተጨውዩ ዜጋታት ኣብ ምንዳይ ከም ዘሎ ይሕብር።

ሓላፊ ፖሊስ ክፍለ-ሃገር ካትሲና ሎሚ ሰኑይ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዘመልከቶ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ፉንቱዋ እትብሃል ካብ ኣቡጃ ኣስታት 6 ሰዓታት ብጕዕዞ መኪና ርሒቓ እትርከብ ከተማ’ዮም ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም። ኣመንቲ ይሰግዱሉ ኣብ ዝነበሩ ሰዓታት ድማ ብሞተር ብሽክለታ ገይሮም መጺኦም።

ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ፖሊስ ሓበሬታ በጺሑዎም ቀልጢፎም ደኣ ክረድኡ ይምጽኡ እምበር፡ ድሮ ግን 13 ካብቶም ኣመንቲ ተወሲዶም ጸኒሖም። ንኣርባዕተ ከድሕኑ ምኽኣሎም ግን ሓላፊ ፖሊስ ይሕብር።

ናይቲ ከባቢ መራኸቢ ብዙሃን ከም ዝጸብጸቦ እቶም ጠፊኦም ዘለዉ ዜጋታት ቍጽሮም 40’ዩ።

እዚ ንፈለማ እዋን ኣብ መስጊድ ዘጋጠመ መጭወይቲ፡ ኣብታ ብጎንጺ እትሕመስ ዘላ ሰሜን ናይጀሪያ ሓድሽ ተርእዮ ምዃኑ’ዩ። እታ ሃገር ንወርሒ ለካቲት ሃገራዊ ምርጫ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን ድማ እቲ ተግባር ንዝያዳ ጸጥታ ዝጠልብ ናይ ተጠንቀቕ ምልክት ኰይኑ ኣሎ።ጎንጺ ግን ኣብ ካልእ ቦታታት ናይጀሪያ እንኮላ’ዩ ዘጋጥም ዘሎ።

ፖሊስ እታ ሃገር፡ ነቲ ሎሚ ሰኑይ ዳግም ዝተኸፍተ መስመር ባቡር ኣቡጃ-ካንዱዋ ንምሕላው ዓቢ ሓለዋ ኣዋፊሩ ኣሎ።

ኣቐዲሙ፡ እቲ መስመር መጓዓዝያ ባቡር ተቛሪጹ’ዩ ጸኒሑ። እቲ ምኽንያት ድማ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዕጡቓት ኣብቲ መስመር ባቡር 62 ዜጋታት ጨውዮም፡ ትሽዓተ ድሕሪ ምቕታሎም’ዩ።ምስ ጨወይቲ ብዝተገብረ ዝርርብ ግን እቶም ተጨውዮም ዝነበሩ ዜጋታት ቀስ-ብቐስ ተለቒቖም’ዮም።

XS
SM
MD
LG