ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይሮቢ፡ ህንጻ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብምፍራሱ 7 ተማሃሮ ሞይቶም


ህንጻ ኣብ ማእኸላይ ከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ሎሚ ሶኑይ ብምፍራሱ ብውሑዱ ሸውዓተ ተማሃሮ ሞይቶም ካልኦት ልዕሊ 60 ድማ ቆሲሎም።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ‘Precious Talent Top School’ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ዝፈረሰ ቤት ትምህርቲ ዝተቐርቀሩ ንምውፃእ ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን ስድራን ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተኣኪቦም ከምዝረአዩ ብምግላጽ እቲ ቤት ትምህርቲ ውሑስ ኣይነበረን ዝብል ርእይቶ ምስተሰምዐ ዝተኣከቡ ሰባት ቁጥዕኦም ክገልፁ ምርኣይም ሓቢሮም ኣለው።

ብመሰረት ፀብፃብ ሮይተርስ ምኽንያት መፍረሲ ናይቲ ህንፃ ግልፂ ኣይኮነን።ሰበስልጣን ግን ቅድም ኢሎም ካብ 30 ሽሕ ክሳብ 40 ሽሕ ዝኾኑ ህንፃታት ብዘይካ መረጋገፂ ፍቓድ ኣብ ናይሮቢ ደው ኢሎም ናይ ምፍራስ ሓደጋ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለው።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝወቕዐ ዝናብ ስዒቡ ሽዱሽተ ደብሪ ዘለዎ ህንፃ ተደርሚሱ 51 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG