ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ናትና ምድማር ንኻልኦት ተስፋ`ምበር ጭንቀት ክኸውን የብሉን” ቀ/ሚ አብይ አሕመድ


ኣብ አዲስ አበባ ሚለንየም አዳራሽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፍሉይ ምድላው መደረ ዘስምዑ ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነዚ መዓልቲ ክውን ኽከውን ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣመስጊኖም።

ቀጺሎም “ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ-ፍቕሪ ልዕሊ ኩሉ`ያ:ካብ ኢሳያስ ዘይከሰብናዮ የለን-ኣኻኺቡና`ሎ” ድሕሪ ምባል ኣብቲ ስነ ስርዓት ንዝተረኽቡ ኣብ መሪሕነት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብኣስማቶም ጸዊዖም ኣመስጊኖም።

ቀ/ሚ አብይ ንዋጋ ሰላምን ናጽነትን ብዝምልከት “ኢሱ ንሰላምን ናጽነትን ምስ ጥዕና የመሳስሎ” ካብ ሰላምን ናጽነትን ወጻኢ ብልጽግና የለን ድሕሪ ምባል ነጻነት ናይ ብልጽግና አደ እያ ኢሎም።

“ሃገር ከም ሰብ`ያ ከምዝኾናዮ እያ ትኸውን- እንተተኸባቢርና ትኸብር ትብልጽግ”

“ካብ ሚእቲ ሚልዮን ክፉእ ዝሓስብ የለን ማለት ዘይኮነስ ነቲ ክፉእ ሓሳቡ ክሳብ ዘይተኻፈልና መኺኑ`ዩ ዝተርፍ። ናይ ምድማር ምስጢር ፍቕርን ይቕረታን እዩ" ዝበሉ ቀ/ሚ አብይ አሕመድ “ንክፍኣት፡ ንምቕታል ኣይንደመር” ኢሎም። “ናትና ምድማር ንኻልኦት ተስፋ`ምበር ጭንቀት ክኸውን የብሉን”

ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ነቲ ‘ ምድማር’ ዝብል ስነ ሓሳብ ምስ ናይ ሒሳብ ስነ ሓሳብ ብምዝማድ ናይ ምድማር ስራሕ ጽልኢ ምፍራስ `ዩ፡ ኣነን ኢሳያስን ክንድመር ከለና ንሕና ኮይና ንባዛሕ ኢሎም። ናይ ምድማር መእሰሪ ይቕረታ፡ ምህረት፡ ፍቕሪ`ዩ ኢሎም። “ንከፋሎ ድማ ዓሰብ እዩ”

ንመጀመርያ ጊዜ ብኣምሓርኛ መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተላእኸ ናይ ስላምን ሰናይ ትምኒትን መልእኽቲ ከብጽሑ ከለው ንዝስምዖም ሓጎስ ድሕሪ ምግላጽ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ መስርሕ ሰላም ዘካየዶ ጻዕርን ዝኽተሎ ዘሎ ኣንፈትን ንኢዶምን ኣመስጊኖምን።

"ጽልኢን ቂልምን ንምዝርጋሕ ዝተፈነ ሽርሒ ስዒርና ንልምዓትን ብልጽግናን ሓቢርና ንምስጓም ወሲና ኣለና።"

ፕረዚደንት ኢሳያስ ብተወሳኺ ማንም ነዚ ስምምዕን ፍቕሪን ክብትን ነዚ ልምዓትን ዕብየትን ክዕንቅፍ ኣይከነፍቕደሉን ኢሎም።

"ብናይ ሓባር ጻዕሪ ዝኸሰርናዮ ኣምሊስና ንመጻኢ ዓበይቲ ጉዳያት ሰሪሕና ከምንዕወት ድማ ርግጸኛታት ኢና።"

ኣብ መወዳእታ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንቀዳማይ ሚንስተርን መሪሕነቱን ዘለዎም ድጋፍን ሰናይ ትምኒትን ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG