ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣሰር ዳንኤልን መርሃዊን ዝሰዓበ ተዓዋቲ ዙር ሩዋንዳ 2020


ወዲ ዕስራ ዓመት ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጼን ትማሊ ተዓዋቲ ዙር ሩዋንዳ 2020ን ወናኒ ብጫ ማልያን ዝኸውን ዘሎ: ኣብቲ ሾሞንተ መድረኻት ዝነበሮ ዙር ሩዋንዳ ክዕወት ልዑል ትጽቢት ኣብ ልዕሊ ዝተነብረሉ ሩዋንዳዊ ሞይስ ሙገሻ 1 ደቒቕን 5 ካልኢት ፍልልይ ብምንጻፉ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ናትናኤል ነቲ ዙር ሩዋንዳ ብሓፈሻ ብ 23:12:01 ክፍጽሞ ከሎ ሞይስ ሙገሻ ግንብ 23:13:06 ፈጺሙ። በዚ ድማ ናትናኤል ኣሰር ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2010 ከምኡ’ውን ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 2019 ስዒቡ ሳልሳይ ኤርትራዊ ንዙር ሩዋንዳ ብብቕዓት ዝፈጸመ ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ራብዓይ መድረኽ ኣትሒዙ ብጫ ማልያ ከየድፈረ ነቲ ትማሊ ዝተኻየደ ዛዛሚ ውድድር ተዛንዩ ከምዝፈጸመ ጋዜጣታት ሩዋንዳ ብተወሳኺ ሓቢረን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ዳዊት የማነ ናይ ዝበለጸ ቮላቲስታ ክብሩ ከየድፈረ ነቲ ውድድር ብሓያል ኒሕ ክፍጽሞ ምኽኣሉ ዓቢ ኣቓልቦ ክስሕብ ክኢሉ ኣሎ። ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነ ብተዛማዲ ክርአ ከሎ ተመክሮ ሒደት ፕሮፈሽናል ውድድር ዘለዎ ኮይኑ ነዚ ኣብ ፈላማይ ናይ ዙር ሩዋንዳ ሱታፌኡ ዘርኣዮ ብቕዓት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ማለት ቮላት ጸብለልታ ሒዛ ክትዕወት ኣኽኢልዋ’ዩ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝሓለፈ ቀዳም ነታ ናይ ጋንታ መሪሕነታ ከምዝተመንጠለት ይዝከር።

XS
SM
MD
LG